ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ንቑሕ ተሳትፎን ኣበርክቶን ኣባላቱ ኣብ ሃገራዊ መደባት ክብ ንምባል ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ፕረዚደንት ናይ’ቲ ማሕበር ብ9 ሕዳር ንሓለፍቲ ጨናፍር፡ ንኡስ ጨናፍር፡ ከምኡ’ውን ቦርድ ሚኒስትሪታትን ፈደረሽናትን ኣብ ዘካየደቶ ሰሚናር ገሊጻ።

ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል “ታሪኽ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ሃገር ኣብ እትጠልቦ ብምሉእ ዓቕማ እጃማ ምብርካት’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ እዚ ኣብ ቃልሲ ዝተጠርየ ጽቡቕ መንፈስ ተዓቂቡ፡ ኣብ ምውርራስ ክብርታትን ምጥፋእ ጎዳእቲ ልምድታትን ሕመረት ኮይኑ ክቕጽል ተላብያ።

ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ማዕርነታ ብተሳትፎኣን መስዋእትነታን ከም ዘረጋገጸት ዝጠቐሰት ወ/ሮ ተኽኣ፡ ናይ ሎሚ መንእሰያት፡ ነዚ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዓቢ ቦታ ዘለዎ ምዕሩይ ተሳታፍነት ጓልኣንስተይቲ ወሪሰን፡ ንዝበለጸ መጻኢ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ኣዘኻኺራ።

ምዕቃብን ምሕያልን ሃገራውን ሕብረተሰባውን ክብርታት፡ ብቐዳምነት ንደቂ-ኣንስትዮ ከምዝምልከት ጠቒሳ ድማ፡ ኩለን ሚኒስትሪታት፡ መድረኻት ምንቃሕን ምውርራስን መንእሰያት ብሓፈሻ፡ መድረኻት ምብህሃል ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ከተኣታትዋ ተላብያ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ዝተዋሃበን መብርሂ ንዝነበረን ንቕሓት ዘበርኽ፡ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ዘስንቕን መደባት ማሕበር ንምዕዋት ኣዝዩ ዝሕግዝን ምዃኑ ብምሕባር፡ ማሕበረን ዝትልሞ መደባት ንምዕዋት ብዝለዓለ ከምዝሰርሓ ኣረጋጊጸን።

Categories