ብምትሕብባር ሚኒስትሪታት ጥዕናን ሕርሻን፡ “ጽባሕ ብዘይ ኣማራጺ ንኸይንተርፍ፡ መድሃኒታት ጸረ-ባክተርያ ብግቡእ ንጠቐመሎም” ብዝብል ቴማ – ኣብ መላእ ሃገር ዝካየድ ኣህጉራዊ ቅነ መድሃኒታት ጸረ-ባክተርያ፡ ትማሊ ብወግዒ ተበጊሱ።

ኣብ’ዚ ካብ 12 ክሳብ 18 ሕዳር ዝካየድ ቅነ፡ ኣብ ምዕባይ ንቕሓት ንውሑስ ተጠቃምነት መድሃኒታት ጸረ-ባክተርያ ዘተኰረ ጽዑቕ ጐስጓሳት፡ ኣብ ትካላት ጥዕና፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ብመገዲ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበር ፋርማሲ ኤርትራን ክካየድ’ዩ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ መድሃኒታት ጸረ-ባክተርያ ኣገደስቲ ባእታታት ዘመናዊ ፍወሳ ከምዝኾኑ ጠቒሳ፡ ነዞም መድሃኒታት በቲ ግቡእ ኣገባብን ዓቐንን ዘይምጥቃም፡ ንፈዋስነቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ከምዘሎ፡ ሳዕቤናቱ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ከምዝኾነ ገሊጻ።

“ስግኣት ተጻውሮ ጸረ-ነፍሳት፡ ቀጻሊ ይድውል ኣሎ” ዝበለ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ብግደኡ፡ ኣብ ጽላት ጥዕና ዝግደሱ ኣካላት ዓለምና፡ “ውሁድ ስራሕ ኣብ ምውሓስ ጥዕና” ብዝብል ተበግሶ ነዚ ብድሆ’ዚ ንምግጣም ይሰርሑ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ወዲ ሰብ፡ እንስሳታትን ኣትክልትን ዝነጥፉ ሞያውያን ንዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ምድራኽን ሓጋዚ ባይታ ምጥጣሕን፡ ግድነታዊ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኤርትራ ዶክተር ጆዘፊን ናምቦዘ፡ መድሃኒታት ጸረ-ባክተርያ ጥቕሚ-ኣልቦ ምስ ዝኾኑ – ውሕስነት ጥዕና ዓለምና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ክስተት ከምዝስዕብ፡ ነዚ ስግኣት’ዚ ንምብዳህ እምበኣር፡ ኣገዳስነት ውሁድ ጻዕሪ ዝለዓለ ግምት ከምዝወሃቦ ኣገንዚባ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ሞያውያን ጥዕና ሰብ፡ እንስሳታትን ኣትክልትን ዝተሳተፍዎ፡ ንስግኣት ተጻውሮ መድሃኒታት ጸረባክተርያን ናህሩ ንምንካይ ክካየድ ዘለዎ ውሁድ ጻዕሪን ቅልጡፍ ምልውዋጥ ሓበሬታን፡ ከምኡ’ውን ንተጻውሮ ጸረ-ባክተርያ መድሃኒታት ዘቃልዑ ተርእዮታት ዝምልከት ሓባራዊ ዘተ ተኻዪዱ።

Categories