ሚኒስተር ፍትሒ ፈውዝያ ሃሽም፡ ብ6 ሕዳር – ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ምሕያል ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ዘተኰረ ርክብ ኣካዪዳ።

ኣብቲ ሓለፍቲ ኣካላት መንግስትን ግንባርን፡ ከምኡ’ውን ሃገራውያን ማሕበራት ዝተረኽቡሉ ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሚኒስተር ፈውዝያ፡ ተራን ኣበርክቶን ከምኡ’ውን ኣገዳስነት ምጉልባት ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ብመንጽር ተልእኾ ናይ’ቲ ሚኒስትሪ መግለጺ ሂባ።

ዜጋታት ስሉጥ፡ ርሑውን ምዕሩይን ኣገልግሎት ፍትሒ ክረኽቡን ናጽነትን ተሓታትነትን ፍርዳዊ ኣካል ውሑስ ክኸውንን ክስራሓሉ ምጽንሑ ጠቒሳ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ፍትሓዊ ስርዓቱ ዝህልዎ ምትእምማን ክብርኽ፡ ብውህደት ክስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ሃገራዊ ሕጊ፡ ንማሕበረ-ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ታሪኻውን ሰረታት ሕብረተ-ሰብ ምርኩስ ዝገበረን ንፍሉይነት ሃገር፡ ህዝብን መንግስትን ኣብ ግምት ዘእተወን ምዃኑ ዝሓበረት ሚኒስተር ፈውዝያ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ዘመናት ኣትሒዙ ብዘማዕበሎ ባህልን ኣተሓሳስባን፡ ንሕጊ ተማእዚዙ ዝጐዓዝ ሕብረተ-ሰብ ምዃኑ፡ እዚ ድማ መመሊሱ ክሰርጽን ክዓዝዝን ከምዝግባእ ኣገንዚባ።

ህዝቢ ኣብ ቀረባኡ ኣገልግሎት ፍርዲ ንኽረክብ ዝተመስረታ ኮማዊ ኣብያተፍርዲ፡ ንጥፈታተን እናተገምገመ ንምምሕያሹ ተበግሶታት ክውሰድ ከምዝጸንሐ ገሊጻ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍረም ገብረክርስቶስ፡ ብዘይ ንጡፍ ተሳትፎን ውህደትን ኣካላት መንግስቲ፡ ዕማም ትካላት ፍትሒ ክውርጽጽ ከምዘይክእል ብምሕባር፡ ኩሎም ዝምልከቶም ሰብ-መዚ ንዕብየቱ ብዕቱብ ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

Categories