ነበርቲ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ መበቈላዊ ሃብቲ ገረብ ኣብ ምዕቃብን ሓደስቲ ኣብ ምትካልን ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ገሊጾም።

ሃብቲ ገረብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክበርስ ብምጽንሑ ኣብ ኣከባቢ ሳዕቤናት ከምዘኸተለ ዝሓበሩ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ርእሲ’ቲ ብርሰት ንምክልኻል ዝገብሩዎ ዘለዉ ምክትታል፡ ሓደስቲ ኣግራብ ይተኽሉ ምህላዎም ሓቢሮም።

ኣብ ገማግም ሩባ ሓጋዝ ዝርከብ ኣግራብ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ፡ እዚ ድማ ውጽኢት ናይ’ቲ ዝሰላሰል ዘሎ ኮማዊ ንጥፈታት ምዃኑ ጠቒሶም ድማ፡ ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብያተ-ጸሎትን ኣብያተ-ጽሕፈትን ዝካየድ ንጥፈታት ምግራብ ክድፈኣሉ ኣዘኻኺሮም።

Categories