ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ ብዝተሰላስለ መስርሕ ዕደላ መሬት ጤሳ፡ 2,254 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም ልዕሊ 6,000 ዜጋታት መሬት ተዓዲሎም።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ሓላፊ ጨንፈር መሬትን ማይን ኣቶ መኮነን ማኢል፡ ንዝተኻየደ መስርሕ ዕደላ ጤሳ ኣመልኪቱ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ኣዋጅ ቊጽሪ 58/94 መሰረት ዝገበረ መስርሕ፡ ብሓያል ምትሕብባር ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ምምሕዳራት ከባብን ሽማግለ ጤሳ ዓድን ከም እተዓመ ኣፍሊጡ።

ዛጊት መስርሕ ዕደላ መሬት ጤሳ ኣብ ዓድታት ጻዕዳ-ክርስትያን፡ ዓዲ-ገብሩ፡ ዑናጉዶ፡ ዓደርዓዳ፡ ዓደምዘማት፡ እምበይቶ፡ ላጔን፡ ዓዲባዃዃይን በለዛን ከምእተኻየደ፡ ዓድታት ዓደርዓዳ፡ ዓደምዘማትን እምበይቶን ድማ ካልኣይ ግዜ ከምዘካየዳ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣቶ መኮነን ኣስዒቡ፡ መስርሕ ምዕዳል ጤሳ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ኳዜን፡ ዛግር፡ ኣፍደዩን ጸሓፍላምን ዝቕጽል ምዃኑ ብምሕባር፡ ካልኦት ዓድታት፡ ካብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባቢን ዝተወደአ ዝተኸለለ ውጥነን ምስ ተረከበ ከካይዳ ምዃነን ገሊጹ።

Categories