ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ንፈተነ ብመስኖ ኣብ ዝለምዕ ዘሎ ጀራዲን ዝተዘርአ ኣቲላን ሲድራን ዝተባህለ ምሩጽ ኣዝርእቲ ስርናይ፡ ድሓን ውጽኢት ተረኺቡዎ።

ክኢላ ልምዓት ብቚሊ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መንእሰይ ዑቕባይ መብራህቶም፡ እቲ ሓድሽ ዓሌት ስርናይ ንደርቅን ባልዕን ዝጻወር ኣብ ርእሲ ምዃኑ – ርቡሕ ምህርቲ ዝህብ እውን ስለዝኾነ፡ ብሓረስቶት ተቐባልነት ከምዝረኸበ ብምሕባር፡ ኣቐዲሙ ካብ 10 ክሳብ 12 ኲንታል ኣብ ሄክታር ዝነበረ እቶቱ፡ ምሩጽ ዘርኢ ምስ ተጠቕሙ – ካብ 15 ክሳብ 19 ኲንታል ክሓፍሱ ትጽቢት ከምዘሎ ኣሚቱ።

እዚ ብኣብነታውያን ሓረስቶት ተዘሪኡ ኣብ ደረጃ ምንቃጽ ዝርከብ ስርናይ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ንዝተኸስተ ምድንጓይ ክራማት ተጻዊሩ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ምብጽሑ፡ ንብሉጽነቱ ዘነጽር ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ናብ ኩሎም ሓረስቶት ንምብጽሑ ብዝለዓለ ከምዝስራሕ ገሊጹ።

መበቈላውያን ኣዝርእቲ ንምዕቃብ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ድማ፡ ሎሚ ዓመት ዝተፈተነ ዓይነታት ስርናይን ስገምን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብን፡ ዝያዳ ንምስፍሑ ቀጻሊ ፈተነታት ይካየድ ከምዘሎን ኣብሪሁ።

ብሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ ዝተዳለወ ኣቲላን ሲድራን ዝተባህለ ምሩጽ ኣዝርእቲ ስርናይ፡ ዝሓለፈ ክራማት ኣብ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራን እምኒ-ሓይልን ተፈቲኑ ውጽኢታዊ ኮይኑ ከምእተረኽበ ይፍለጥ።

Categories