ኣብ ከተማ ባጽዕ፡ ኣብ ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መደባት ህንጸት ሃገርን ምዕዛዝ ማሕበረቊጠባውን ፖለቲካውን ተሳትፎአንን ዝዘተየ ርክብ፡ ብ22 ጥቅምቲ ተኻዪዱ።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወይዘሮ ጅምዓ ማሕሙድ ራኪ ምስ ኣባላት ማሕበር ኣብ ዘካየደቶ ኣኼባ፡ መሰረት ኣድማዒ ስራሕ፡ ኣብ ንቕሓት ዝተመርኰሰ ሓያል ውዳቤ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ብኣካዳሚያዊ ትምህርቲን ሞያን ንኽስጒማን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበጽሓን ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ብውህደት ናይ ኩሎም ኣካላትን ሕብረተሰብን ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ኣዘኻኺራ።

“ዓወት፡ ውጽኢት ድሌትን ጻዕሪን’ዩ” ዝበለት ወይዘሮ ጅምዓ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ንኹሉ ዘጋጥመን ብድሆታት ስዒረን ኣብ ኩሉ-መዳያት ህይወት ንኽዕወታ፡ ሓያል ድሌት ክህልወንን ብሓያል ጻዕሪ ከሰንያኦን ብምትሕስሳብ፡ ማሕበር ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር ክደጋገፈን ቅሩብ ምዃኑ ኣረጋጊጻ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ምሕድግ ዝበላ ዓድታት ንዘለዋ ልምዳውያን መሕረስቲ ስልጠና ክውደብ፡ ተሳታፍነትን ቀጻልነትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ንምዕባይ ጽዑቕ ጐስጓሳት ክካየድ ዝብል ርእይቶታት ኣቕሪበን።

Categories