ኤርትራ፡ ኣብ 2021 ካብ ሕማም ትራኮማ ናጻ ንምግባራ ዓበይቲ ንጥፈታት ከምእተኻየዱ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ትስፉው መድረኽ ተበጺሑ ከምዘሎ፡ ካብ 22 ክሳብ 24 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተገብረ ገምጋማዊ ዘተ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ካብ መላእ ሃገር ዝተወከሉ ሓለፍቲ ጨናፈር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ዳይረክተራት ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን፡ ከምኡ’ውን ሓካይም፡ ክኢላታት መብጣሕቲ ዓይኒን መሻርኽትን ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ምቊጽጻር’ቲ ሕማም ዝተመዝገበ ገስጋስን ዝነበረ ብድሆታትን ብዕምቈት ተዘትዩሉ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ፡ ዶክተር ከሰተብርሃን ሰሎሙን ኣብ ዘስመዖ ናይ መኽፈቲ ቃል፡ ነዚ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ ቀሪቡ ዘሎ ካብ ቀንዲ ጠንቅታት ዑረት ዝኾነ ትራኮማ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፋኡ፡ ከም ወትሩ ሓያል ናይ ስራሕ መንፈስን ውህደት መሻርኽትን ክዓዝዝ ጸዊዑ።

ሓላፊ ሃገራዊ መደብ ምክልኻልን ምቊጽጻርን ዑረት – ኣቶ ኣለም ዘካርያስ ብወገኑ፡ ትራኮማ ኣብ ሃገርና ከም ካልኣይ ጠንቂ ዑረት ኮይኑ ምጽንሑ ብምሕባር፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ጥዕናን መሻርኽቱን ሳላ ዝተኻየደ ዘይሕለል ጻዕሪ፡ ንምጥፋኡ ኣብ ዘተስፉ ኩነታት ተበጺሑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ብዝተገብረ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ፡ ኤርትራ ኣብ ዝስዕባ ሰለስተ ዓመታት ካብ ትራኮማ ናጻ ንምግባራ ጥጡሕ ባይታ ኣሎ። ነዚ ባይታ’ዚ ብናይ ሓባር መረዳእታ ምድርዑ ኣገዳሲ ብምዃኑ ከኣ፡ ተራ ምምሕዳራት፡ ኣብያተ-ትምህርትን ወከልቲ ጥዕና ዓዲን ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

Categories