ብዋና ጸሓፊ ኣቶ ተኸስተ ባይረ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰአ)፡ ካብ 26 ክሳብ 27 ጥቅምቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝተቓንዐ መስራቲ ጉባኤ ‘ኮንፈደረሽን ሞያዊ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ’ ተሳቲፉ።

ዕላማ ናይ’ዚ ብሕብረት ሃገራውያን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ጅቡቲ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝተመስረተ ኮንፈደረሽን፡ ንመሰላት ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ዞባ ብምጥባቕ፡ ቊጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ረብሓታቶም ንምውካልን ንምውሓስን ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ዋና ጸሓፊ ሃኮሰአ – ኣቶ ተኸስተ ባይረ ፕረዚደንት ‘ኮንፈደረሽን ሞያዊ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ’፡ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ኣቶ ካሳሁን ፎሎ ድማ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ተመሪጾም።

ኣቶ ተኸስተ ባይረ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እቲ ተመስሪቱ ዘሎ ኮንፈደረሽን፡ ኣብ ምጥባቕ ንመሰላት ሰራሕተኛታት፡ ከምኡ’ውን ምስፋን ሰላምን ምርግጋእን ናይ’ቲ ዞባ ኣገዳሲ ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ማእከላይ ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ ኣዲስኣበባ ዝዀነ ‘ኮንፈደረሽን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ’፡ ቅርጺ ምምሕዳሩ – ፕረዚደንት፡ ክልተ ምክትላት ፕረዚደንትን ዋና ጸሓፊን የጠቓልል።

Categories