ምዕሩይ ምዕባለ ኣብ ምርግጋጽን ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ምንጋስን፡ ትምህርቲ እቲ ቀንዲ ዕጥቂ ስለዝኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታቱ ሰሪዑ ዓቢ ወፍሪ ይገብረሉ ከምዘሎ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሕሴን ናይብ ገሊጹ።

ኣቶ ሙሳ፡ “ትምህርታዊ ወፍሪ ርብዒ ዘመን ኣብ ኤርትራ፡ ውጽኢቱን ብድሆታቱን” ብዝብል ኣርእስቲ ብ27 ጥቅምቲ ንኣባላት መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ካብ ድኽነት ዝተላቐቐትን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነገሳን ሃገር ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፡ ብቕዓቱ ዝሓለወ ትምህርቲ ብማዕረ ንዜጋታት ምቕራብ መሰረታዊ ስለዝኾነ – ልዑል ቈላሕታ ተዋሂቡ ክስራሓሉ ምጽንሑን ይቕጽል ከምዘሎን ኣረዲኡ። ተመሃሮ ነዚ ብዝግባእ ተገንዚቦም፡ ተፈጢሩሎም ንዘሎ ናይ ትምህርትን ሞያን ዕድላት ኣብ ረብሓኦም ንምውዓል ብትግሃት ክሰርሑ ድማ ተላብዩ።

ዘበናዊትን ብቑጠባ ተወዳዳሪትን ሃገር ንምህናጽ፡ ልዑል ፍልጠትን ሞያውን ቴክኒካውን ክእለትን ዝወነነ ዜጋ ምፍራይ መሰረታዊ ብምዃኑ፡ ትካላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ምስፋሕን ምሕያልን ካብ’ቶም መንግስቲ ኣቓልቦ ሂቡ ዝሰርሓሎም ዘሎ መዳያት ምዃኑ፡ ኣቶ ሙሳ ናይብ ብሰፊሑ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት – ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ ተመሃሮ ኣብ ሕጽረታት ከየድሃቡ፡ ንዘለዎም ዕድላት ብግቡእ ኣብ ረብሓኦም ንምውዓል ከይተሓለሉ ክሰርሑ ኣዘኻኺርዎም።

ተመሃሮ ብግደኦም፡ ናይ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ (IT) ኣገልግሎት ኣብ ኩለን ኣብያተ-ትምህርቲ ክባጻሕ፡ ናብ ቤትትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ ዝምደቡ መማህራን ድማ ብቚጽሪን ዓይነትን ምሉእነት ክህልዎም ተላብዮም።

Categories