ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ብዕዙዝ ሱታፌ ነበርቲ ብሓፈሻ ተመሃሮ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምውሓስ ጥዕና ኣከባብን ምስራሕ ቤትትምህርትን ዘተኰረ ሰፊሕ ልምዓታዊ ወፈራታት ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ከም ኣካል ናይ’ዚ፡ ነበርቲ 8 ዓድታት ምምሕዳር ከባቢ ድቢ፡ ብተበግሶኦም ሓዳስ ናይ መባእታ ቤት-ትምህርቲ ይሃንጹ ኣለዉ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ እስማዒል መሓመድ፡ እታ ቤትትምህርቲ፡ 7 መምሃሪን 2 ደጋፊን ክፍልታት ዘጠቓለለት ምዃና ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ጸሮናን ተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ጸሮናን፡ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ እናወፈሩ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምንካይ፡ ወፈራዊ ንጥፈታት የሰላስሉ ኣለዉ።

Categories