ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብ18ን 19ን ጥቅምቲ ዝወደቦ ዓውደ-መጽናዕቲ ንድፊ ኣዋጅ ዘርኢ፡ ንምጽፋፍ ንድፊ ኣዋጅ ሓለዋ ጥዕና እንስሳ ዝምልከት ዓውደ-መጽናዕቲ – ብ25ን 26ን ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ኣካዪዱ።

ኣብ’ዚ ካብ ኩለን ምምሕዳራት ዞባታትን ካልኦት ኣካላት መንግስቲን ዝተወከሉ፡ ከምኡ’ውን ክኢላታት ሓለዋ ጥዕና እንስሳ ዝተሳተፉሉ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ሕጋጋትን ቊጽጽርን ኣቶ ተኽለኣብ ምስግና፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብዘራእትን ምርባሕ ጥሪትን ስለዝነብር፡ ህላወ ኣዋጅ ጥዕና ሓለዋ እንስሳ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኣበርክቶ እንስሳታት ኣብ ቁጠባ ሃገር ውሑስ ንምግባር፡ ንዓኡ ዝምልከት ኣዋጅን ሕጋጋትን ንምንዳፍ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ጻዕሪታት ከካይድ ምጽንሑ ዝጠቐሰ ኣቶ ተኽለኣብ፡ ብዛዕባ ጥዕና እንስሳ ምዝራብ ብዛዕባ ጥዕና ሰባት ምዝራብ ስለዝኾነ፡ ሕጋዊ፡ ጥዕና’ውን ቁጠባውን ኣገዳስነት ዘለዎ ኣዋጅ ጥዕና እንስሳ ንምንዳፍ፡ ብክኢላታት ዝተሰነየ ስራሕ ክዕመም ምጽንሑ ብምሕባር፡ ነዚ ንምጽፋፍን ናይ መወዳእታ መልክዕ ንምትሓዙን፡ ሱታፌ ዝምልከቶም መሻርኽቲ ዝረጋገጸሉ ዓውደ-መጽናዕቲ ኣገዳስነቱ ልዑል ኮይኑ ከምዝተረኽበ ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ 149 ዓንቀጻት ዝሓዘ ንዘተ ዝቐረበ ንድፊ ኣዋጅ፡ ሕማም እንስሳታት ንምውጋድን ንምክልኻልን ክግበር ዘለዎ መስርሕ ቊጽጽር፡ ኣብ ህይወት ሰብ ንዝወርድ ጉድኣት ንምክልኻል መሸጣ እታውን ሰደድን እንስሳታትን ውጽኢቶምን ንምቁጽጻር ምኽታሉ ዝግባእ መስርሕ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ነጥብታት ብዝርዝር ሰፊሮም ኣለዉ።

ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ እንስሳ ዞባ ደቡብ ዶክተር ዑቕባዝጊ ክፍለ፡ ንድፊ ኣዋጅ ሓለዋ ጥዕና እንስሳ፡ ካብ 1998 ጀሚሩ ዝተፈላለየ መስርሕ እናሓለፈ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ከምዝበጽሐ ብምሕባር፡ እንስሳታት ንምልኣኽን ናብ ሃገር ንምእታውን፡ ህላወ ምስ ዞባውን ዓለማውን ሕጋጋት፡ ከምኡ’ውን ምስ መምርሒታት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና እንስሳ ዝሳነ ኣዋጅን ሕጋጋትን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣዋጅ ሓለዋ ጥዕና እንስሳ፡ ጥዕና እንስሳ ሓሊኻ ካብኡ ዝርከብ ረብሓ ንምዕዛዝ፡ ሓደጋ ሕማማት – ብፍላይ ድማ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ንምክልኻል፡ ካብ ደገ ብሰደድ ዝኣትዋ እንስሳታት ንምቁጽጻርን ካብ ሃገር ንዝለኣኻ ብሕጋዊ ኣገባብ ንምውጻእን መሰረታዊ ምዃኑ ዝጠቐሰ ዶክተር ዑቕባዝጊ፡ ንድፊ ኣዋጅ ሓለዋ ጥዕና እንስሳ ምስ ጸደቐ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ሞያውያንን ክኢላታትን ዝዘተዩሉን ብርእይቶታት ዘሀብተምዎን ንድፊ ኣዋጅ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ምውሓስ ጥዕና እንስሳታትን ሰብን ዝጻወቶ ቀንዲ ተራ፡ ኣብ ስሉጥነትን ኣድማዕነትን ስርሖም ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም።

ኤርትራ፡ ካብ 1994 ኣትሒዛ ኣባል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና እንስሳታት’ያ።

Categories