ኣብ ኩወይት፡ ዱበይ – ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሽወደንን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝተፈላለየ መደባት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኩወይት ኣቶ ሑመድ ያሕያ ሓሊ፡ ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ጉዳያት ፕሮቶኮል ኣቶ ዳሪ ዓጅራን ኣልዓጅራን ብ24 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ንክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ተዘራሪቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ምዕባለታት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዞባዊ ጽልዋኡን፡ ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያት፡ ከምኡ’ውን ተኽእሎታት ወፍሪ ሃገረ ኩወይት ኣብ ኤርትራ ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዶም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣቶ ዑስማን መሓመድዑመር ድማ፡ ኣብ ከተማ ዱበይ ንዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገርን ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዱ።

“ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታት ሰላም፡ ፍረ ጽንዓት ህዝብና’ዩ” ዝበለ ኣምባሳደር ዑስማን፡ ነዚ ብልምዓትን ብልጽግናን ንምድርዑ፡ ውፉይ ጻዕርና ብዝበለጸ ውህደት ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።

ውዳበ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ብወገኑ፡ ብ13ን 14ን ጥቅምቲ መንፈቓዊ ገምጋም ስርሑ ኣቃኒዑ።

ኣብ ከተማ ስካራ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ጨንፈር ሽወደን፡ ወይዘሮ ሳባ ተኽለ፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ሃማደኤ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን መብርሂ ሂባ።

Categories