ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ኣፍልጦ ሓረስቶት ክብ ብምባል እቶታውነት ንምድንፋዕ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ካብ ሓሙሽተ ምምሕዳራት ከባቢ ንዝተዋጽኡ 28 ሓረስቶት ስልጠና ወዲቡ።

እቲ ካብ ምምሕዳራት ከባቢ ዙላ፡ ኣፍታ፡ ሓድሽ፡ ኣይሮማለን ማልካን ንዝተዋጽኡ ሓረስቶት ዝተዋህበ ስልጠና፡ ኣብ ልምዓትን ምክልኻልን ብቝሊ፡ ምልማዕ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ዘመናዊ ድዅዒን መድሃኒትን ዘተኰረ እዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ብክራማት ከበሳን ባሕርን ዝለምዕ ኣስታት 9 ሽሕ ሄክታር ኣሎ።

Categories