ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን፡ ብ24 ጥቅምቲ 2018 ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ኢጣልያ – ኢንዞ ሞኣቬሮ ሚላነሲ ተራኺቦም ተዘራሪቦም።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ 24 ክሳብ 25 ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ዋዕላ ምትሕባብር ኣፍሪቃ-ኢጣልያ ኣብ ዝተሳተፉሉ እዋን’ዮም፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ኢጣልያ ብምርኻብ፡ ኢጣልያ ኣብ ምድልዳል ሰላምን ምትሕብባርን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምርግጋእ ሶማልያን መላእ ዞባናን ክትጻወቶ እትኽእል ግደ ብዝምልከት ኣስፊሖም ተዘራሪቦም።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኢጣልያን፡ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተስገዲዱ ዘሎ ብይን እገዳ ኪልዓል ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮሙሉ።

ሚስተር ሞኣቬሮ ብተወሳኺ፡ ኢጣልያ ምስ ክልቲአን ሃገራት ብዘለዋ ምሕዝነት፡ ኣብ ተበግሶታት ቁጠባዊ ዕብየትን ዘላቒ ምዕባለን መሻርኽቲ ብምዃን ክትተሓባበር ዘለዋ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ምትሕብባር ኣፍሪቃን ኢጣልያን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብተበግሶአን ስምምዕ ሰላም ብምኽታም፡ ነቲ ዝሓለፈ ዘይንቡር ኩነታት ዓጽየን፡ ኣብ ዝምድናአን ሓድሽ ምዕራፍ ከምዝኸፈታ ጠቒሱ፡ ኣብኡ ከይተሓጽራ እውን፡ ዝተኸስረ ዕድላት ብቕልጡፍ ንምትካእ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ልምዓት ብሽርክነትን ምምልላእን ንምስራሕ ብምስምማዕ፡ ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ዘገልግል ሓባራዊ መደባትን ፕሮጀክትታትን ሓንጺጸን፡ ንትግባረኡ ይሰርሓ ከምዘለዋ ኣገንዚቡ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብተወሳኺ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድና ሓሊፈን፡ ንዞባዊ ሰላምን ምትሕብባርን ክሰርሓ ብዝበጽሓኦ ምርድዳእ መሰረት፡ ድሮ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም፡ ስሉሳዊ ስምምዕ ንኣጠቓላሊ ምትሕብባር ከምዝፈረሙ ሓቢሩ።

እዚ ተበግሶ’ዚ፡ ንመላእ ዞባ ዘጠቓልል ክኸውን ብምውሳን ኣበርቲዖም ክሰርሑሉ ምዃኖም ብምሕባር ከኣ፡ ኣበርክቶ ግዳማውያን መሻርኽቲ ብሓፈሻ፡ ኣበርክቶ ናይታ ምስ’ዚ ዞባ ቅርበት ዘለዋ ኢጣልያ ድማ ብፍላይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሴፐ ኮንተ ብ11ን 12 ጥቅምቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወግዓዊ ምብጻሕ ብምፍጻም፡ ምስ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ኣስፊሑ ከምዝዘተየ ዝፍለጥ’ዩ።

Categories