ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ካብ 21-30 ሕዳር 2018 ዝካየድ ወፍሪ ክታበት ንፍዮን ሩቤላን ንምዕዋት ክግበር ዝጸንሐ ምድላዋት ከምእተጻፈፈ ተሓቢሩ።

ኣብ መላእ’ቲ ዞባ 400 ሽሕ ህጻናት ጸረ ሕማማት ንፍዮን ሩቤላን ንምኽታብ፡ ን130 ሽሕ ህጻናት ድማ ቪታሚን “A” ምዕዳል ዝዓለመ መደብ ምዃኑ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ መሰረታዊ ክንክን ጥዕና ኣቶ ብርሃነ ኣብርሃ ኣረዲኡ።

በዚ ን10 መዓልታት ዝቕጽል መደብ፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣብ ክሊ ዕድመ 9 ወርሒ ክሳብ 15 ዓመት ዘሎ ቈልዓ ተጠቃሚ ናይ’ቲ መደብ ክኸውን ምእንቲ፡ ምምሕዳራት ከምኡ’ውን መሻርኽቲ ሚኒስትሪታትን ማሕበራትን ብውህደት ይሰርሓ ከምዘለዋ ዝጠቐሰ ኣቶ ብርሃነ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ወፍሪ ኣብ ሕብረተሰብ ግቡእ ግንዛበ ንምስራጽ፡ ብደረጃ ዞባን ንኡሳን ዞባታትን ጐስጓሳዊ ስርሓት ከምእተኻየደ ኣብሪሁ።

ኣብ ከተማ ኣቑርደት ምስ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት ኣብ ዝተገብረ ሓባራዊ መደብ ዝተረኽበ – ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣወሃሃዲ ሃገራዊ መደባት ክታበት ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ፡ ኣገዳስነትን እዋናውነትን ናይ’ቲ ወፍሪ ድሕሪ ምብራህ፡ ምምሕዳራት መሪሕ ተራ ክጻወታ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽባርካ ዶ/ር ሓየሎም ኪዳነ ብወገኑ፡ እቲ ወፍሪ ምስ ምጅማር ስሩዕ ኣገልግሎት ትምህርቲ ይካየድ ስለዘሎ፡ መማህራን ተራኦም ከዕዝዙ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ደምበታትን ምሕድግ ዝበለ ዓድታትን ዝቕመጡ ስድራቤታት ተጠቀምቲ ምእንቲ ክኾኑ፡ ኣብ’ቲ ተጠቒሱ ዘሎ ግዜ ኣብ ጥቓኦም ናብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ቀሪቦም ደቆም ከኽትቡ ጸዊዑ።

Categories