ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ብመደብ መኸተልምዓት ምዕራባዊ ዞባ፡ ኣብ ንጥፈታት ክረምታዊ ሕርሻ ዘተኰረ ስርሓት ይሰላሰል ኣሎ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ኣቶ ደሴ ዘርአሚካኤል፡ ህዝቢ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ከባቢኡ ምስ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተወሃሂዱ፡ ካብ ዘርእን ጻህያይን ዝጀመሮ ወፈራታት፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ምእካብ ምህርቲ በጺሑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዛጊት ልዕሊ 14 ሽሕ ጉልበት ሰብ ዝተሳተፎ ስራሕ ከምእተዓመ፡ ኣብ ፕሮጀክት ሕርሻ ከታይ ዝሳለጥ ዘሎ ዓጺድ ስምስም ብፍላይ – ኣዝዩ ኣድማዒ ከምዘሎ፡ ኣብ ኮርፖረሽን ዘራእትን ጥሪትን ኣካያዲ ስራሕ ሕርሻ ከታይ መንእሰይ ኣሕመዲን ኣልኣሚን ሓቢሩ።

ኣብ 600 ሄክታር ዝለምዐ ስምስም ናይ ምዕጻድ ግዜኡ ብምእካሉ፡ ብማሽነሪ ዝተደገፈ ስራሓት ይዕመም ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ ፕሮጀክት ሕርሻ ከታይ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ 600 ሄክታር ስምስም፡ 800 ሄክታር መሸላ፡ 200 ሄክታር ዓተር ዘጠቓልል 1600 ሄክታር ከም እተዘርአ፡ ብዝነበረ ህጡር ክራማት ድማ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ፕሮጀክት ሕርሻ ገርሰት፡ ኣብ ምእካብ ምህርቲ ፍረታትን ስምስምን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምትካል ኣሕምልቲ ዘተኰረ ወፈራዊ ንጥፈታት ተሰላሲሉ።

በቲ ወፈራ፡ ኣብ ኣስታት 65 ሄክታር ዝተዘርአ ስምስም ከም እተኣከበ ዝጠቐሰ፡ ኣብ ኮሚሽን ጥሪትን ዘራእትን ሓላፊ ሕርሻታት ምዕራባዊ ዞባ ኣቶ ሓይለዝጊ ሃብተ፡ ንዝተራእየ ተሳታፍነት ሞጒሱ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ኣቶ ደሴ ዘርአሚካኤል፡ ውዳበ ህዝቢ ብምሕያል ተመሳሰልቲ ስራሓት ንምክያድ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ኣነባበርቲ ዓድን ብዕቱብ ክነጥፉ ኣተሓሳሲቡ።

Categories