ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ንእማመ ኣቃውማን መምርሒን ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ብዝምልከት፡ ብ22 ጥቅምቲ ኣብ ኣዳራሽ ዞባ ማእከል ዘተ ወዲቡ።

ኣብ’ቲ ዘተ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል መጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን ኣቦ-መንበር ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣቶ ዩሱፍ ሳይቕን ዝርከቡዎም ሰበ-ስልጣን ናይ’ቲ ዞባ፡ ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታት፡ ኣባላት ባይቶ፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ደያኑ ኮማዊ ኣብያተፍርዲን ተሳቲፎም።

ሚኒስተር ፍትሒ ፈውዝያ ሃሽም፡ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ – ህዝቢ ኣብ ቀረባኡ ኣገልግሎት ፍርዲ ንኽረክብ ተባሂለን ዝተመስረታ ኮይነን፡ ህዝቢ በብከባቢኡ ኣብ ብቕዓቶም ኣሚኑ ብዝሓረዮም ደያኑ፡ ማሕበራዊ ክብርታት ሕብረተሰብ ንምዕቃብን ጉዳያት ስሉጥ መስርሕ ንምኽታልን ብዓቕመን ክነጥፋ ከምዝጸንሓ፡ በብግዜኡ ድማ ገምጋማት እናተገብረ ዕማማተን ንምምሕያሽ ጻዕሪታት ክካየድ ምጽንሑ ገሊጻ።

ተኣሚሙ ንዘሎ ሓድሽ ቅርጺን መምርሒን ብዝምልከት፡ ሚኒስተር ፈውዝያ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይነበሩ ተርእዮታት ክቀላቐሉ ብምጅማሮም፡ ሽምግልና ከኣ መኣዝኑ ስሒቱ ጉዳያት ከም ዝተሓላለኹ ይገብር ብምህላዉ፡ ነቲ መለለዪ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝኾነ ሽምግልናዊ ኣፈታትሓ ጉዳያት፡ ኣካል ስርዓተ ፍትሒ ንምግባሩን ዝጸንሑ ድኻማት ንምፍዋስን ዝዓለመ ምዃኑ ኣረዲኣ።

“ፍትሒ ንዓና መትከል’ዩ’’ ዝበለት ሚኒስተር ፈውዝያ፡ ሕጊ ንፍሉያት ሰብ ሞያ ዝግደፍ ስለዘይኮነ፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ብሓላፍነት ክሰርሓሉ ከምዝግባእ ኣስሚራትሉ።

እቲ ሓድሽ እማመ፡ ክልተ ኣገደስቲ ዓንድታት – ማለት ህዝቢ ምስታፍ፡ ከምኡ’ውን ብቑዓት ፈታሕቲ ግርጭታትን ኣለይቲ ጉዳያትን ሸምገልቲ ምምራጽ ከም ዘጠቓልል ብምሕባር ድማ፡ እቶም ብህዝቢ ዝምረጹ ሽማግለታት፡ ሞያን ስነ-ምግባር ሕብረተሰብን ዝዓጠቑ፡ ባህሊን ኣካይዳን ሕብረተሰብ ዘኽብሩ፡ ዜግነታዊ ሓላፍነት ዝስመዖም፡ ካብ ዝኾነ ብከላታት ናጻ ዝኾኑን ካብ ንዋያዊ ረብሓ ማሕበራዊ ክብሪ ዘቐድሙን ክኾኑ ከምዝግባእ ኣገንዚባ።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ’ቲ እማመ ዘለዎም ርእይቶታትን ሓሳባትን ኣፍሲሶም።

Categories