ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ድቡብ፡ ነቲ ካብ 20 ክሳብ 30 ሕዳር ኣብ መላእ’ቲ ዞባ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ወፍሪ ክታበት ንፍዮን ሩቤላን ዘድሊ ምድላዋት ብኣጋ ንምጽፋፍ ዝሕግዝ ዘተ ወዲቡ።

ኣብ’ቲ ብ17ን 18ን ጥቅምቲ ኣብ ከተማታት መንደፈራን ደቀምሓረን ምስ ወከልቲ ምምሕዳራት፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ባይቶ፡ ህግደፍን ሃገራውያን ማሕበራትን ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶ/ር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ፡ ሸፈነ ክታበት ብምስፋሕ ተርእዮ ሕማማትን ሳዕቤናቱን ብኣጋ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ግደ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ዶ/ር ኣማኑኤል፡ ብደረጃ ዞባ ልዕሊ 300 ሽሕ – ካብ 9 ወርሒ ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናትን ቈልዑን ጸረ ንፍዮን ሩቤላን ክኽተቡ፡ ከምኡ’ውን ንትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ቫይታሚን “ኤ” ክዕደል ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣወሃሃዲ መደባት ክታበት ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ፡ ብሃገር ደረጃ ሸፈነ ክታበት 95 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ፡ ተርእዮ ሕማማት ንፍዮን ሩቤላን ምሉእ ብምሉእ ንምቊጽጻር እውን፡ ብዕቱብ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊጹ። ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ መደብ፡ እቲ ብመልክዕ መርፍእ ዝውሰድ ክታበት፡ ኣብ መላእ’ቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ትካላት ጥዕናን ግዝያዊ መኽተቢ ነቚጣታትን ክወሃብ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ጉዳይ መጐዓዝያ ብኣጋ ክሕሰበሉ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ንፍዮን ሩቤላን ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝኽሰቱ ሕማማት ኮይኖም፡ ብእዋኑ ክታበት ወይ ሕክምናዊ ፍወሳ እንተደኣ ዘይረኺቦም፡ ከቢድ ስንክልናን ሞትን ዘስዕቡ ምዃኖም፡ ሞያውያን ጥዕና የረድኡ።

Categories