ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ብምትሕብባር ቤት-ጽሕፈት ሕርሻን ናይ ስራሕ መሻርኽቱን፡ ልዕሊ 68 ሽሕን 500ን ጥሪት ኣንጻር ሕማማትን ባልዓትን ተኸቲበን።

ብመሰረት ሓበሬታ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ እተን ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዝተኻየደ ወፍሪ ዝተኸትባ ጥሪት፡ ኣስታት 50 ሽሕ ጤለ-በጊዕ፡ ልዕሊ 13 ሽሕ ከብቲ፡ ኣስታት 4 ሽሕ ኣእዱግ፡ ኣስታት 2 ሽሕ ድማ ኣግማል እየን።

እዚ ዓመታዊ ዝካየድ ወፍሪ ክታበት፡ ሕማማትን ባልዓትን ብምክልኻል ጥዕና ጥሪት ንምውሓስ ከምዝኾነ ዝሓበረ – ሓኪም እንስሳ ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣቶ ጐይትኦም ሃብተማርያም፡ ኣብ 18 ምምሕዳራት ከባቢ ዝርከባ 43 ዓድታት ተጠቀምቲ ናይ’ቲ መደብ ከምዝኾና ገሊጹ።

Categories