ምሕደራ ፕሮጀክታት፡ ዘመናዊ ምህንድሳዊ ንጥፈታት፡ ከምኡ’ውን ኣሰራርሓ ጽርግያታት፡ ድንድላትን ገለርያታትን ዘተኰረ እዩ።ሚኒስትሪ ህንጻ ምስ ኤምባሲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ ብምውህሃድ ዝወደቡዎ ስልጠና፡ ኣርባዕተ ደቂ-ኣንስትዮ ንዝርከባኦም 26 መሃንድሳት ሚኒስትሪ ህንጻ ተዋሂቡ።

እቲ ካብ 26 መስከረም ክሳብ 19 ጥቅምቲ ንሰለስተ ቅነ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ካብ ዩኒቨርስቲ ሲሽዋን ብዝመጹ ቻይናውያን ክኢላታት ስነ-ህንጻ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ምሕደራ ፕሮጀክታት፡ ዘመናዊ ምህንድሳዊ ንጥፈታት፡ ከምኡ’ውን ኣሰራርሓ ጽርግያታት፡ ድንድላትን ገለርያታትን ዘተኰረ እዩ።

ብ19 ጥቅምቲ ኣብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ህንጻ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምዝዛም፡ ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ንኤምባሲ ቻይና ስለ’ቲ ዝገበሮ ምትሕብባር ድሕሪ ምምስጋን፡ ሰልጠንቲ ቀሲሞምዎ ዘለዉ ፍልጠት ኣገዳስነቱ ኣብ መደባት ህንጸት ሃገር ተገንዚቦም ብግብሪ ክሰርሑሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስተር ያንግ ዚጋንግ ብግደኡ፡ እቲ ስልጠና፡ ኣገዳስነቱ ኣብ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ዳግመ ህንጻዊ ንጥፈታት ስለዝተኣምነሉ ከምእተወደበ ብምሕባር፡ ኣብ መጻኢ ብዝሰፍሐን ዝዓመቘን ኣገባብ ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ።

ነቲ ስልጠና ዝመርሐ ቻይናዊ ፕሮፈሰር ዋንግ ኪንግ ድማ፡ ሰልጠንቲ ንዘርኣይዎ ተገዳስነትን ድሌትን ብምምጓስ፡ ምስ ዘለዎም ፍልጠትን ተመኵሮን ኣብ ስርሖም ከምዝሕግዞም እምነቱ ገሊጹ።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ንሰልጠንቲ ወረቐት ምስክር፡ ንቻይናውያን መማህራን ድማ ህያባት ተዓዲሉ።

Categories