ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈደረሽን ሩስያን ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን – ሚኻኤል ቦግዳኖቭ፡ ትማሊ 19 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቀትሪ ኣብ ህንጻ ሃገር ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን ኣብ ኩሉ ዓውድታት ብዝግበር ምትሕግጋዝ ንምሕያሉ – ብወገን ኤርትራ ዘሎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ ሩስያ – ነዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መጺኡ ዘሎ ምዕባለታት ሰላምን ምትሕብባርን ተገንዚባ፡ ቊጠባዊ ተራኣ ኣብ’ዚ ዞባ ንምዕዛዝ ክትሰርሕ ጸዊዑ።

ሚስተር ሚኻኤል ቦግዳኖቭ ብወገኑ፡ ሃገሩ ነቲ ኤርትራን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝወሰዳኦ – ተባዕ ናይ ሰላም ውሳነን፡ ንመነባብሮ ህዝብታተን ዝቕይር ስጉምትታትን ከምእተድንቖን ከምእትድግፎን ብምግላጽ፡ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ምስ ኤርትራ ድማ ብፍላይ – ንግዳውን ወፍራውን ዝምድናኣ ንምዕባይ ድልውቲ ከምዘላ ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ – ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ዳይረክተር ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ ኣሚን ሓሰን፡ ብወገን ፈደረሽን ሩስያ ድማ፡ ኣምባሳደር’ታ ሃገር ኣብ ኤርትራ ሚስተር ኣዚም ያራኽመዶቭ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምክትል ዳይረክተር ክፍሊ ኣፍሪቃ ኦለግ ኦዘሮቭን ካልኦትን ተረኺቦም ነይሮም።

Categories