ኣዛዚ እዚ ማእከል ብሪጋደር ጀነራል ሓድሽ ኤፍሬም፡ ኣብ ትግባረ መደባት ልምዓትን ኣገዳስነት ኮማዊ ተሳትፎን – ኣብ ዞባ ደቡብ ምስ ዝነጥፉ ሰብ-መዚ መንግስቲን ሃገራውያን ማሕበራትን፡ ብ12 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ዘተ ኣካዪዱ።

ተፈጢሩ ብዘሎ ትስፍዉ ህዋህው፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብማሽነሪታት እናተደገፉ ኣብ ምስፋሕን ምጽጋንን ዓበይቲ ጽርግያታትን ካልእ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታትን ይነጥፉ ከምዘለዉ ዝገለጸ ብሪጋደር ጀነራል ሓድሽ፡ ህዝቢ ኣብ’ዚ መደባት’ዚ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ፡ ከምኡ’ውን ጸጥታኡን ሰላሙን ንምዕቃብ ብንቕሓት ክሳተፍ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገብረክርስቶስ ብወገኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት – ኣብ ጥዕናዊ፡ ጸጥታዊ፡ ማሕበራውን ንግዳውን ዛዕባታት፡ ከምኡ’ውን መስርሕ ሰላምን ጽልዋኡን ዘብርህ ሰሚናራት ክወሃብ ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories