ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን ኩወይትን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ርድኢቶም ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገር ዘስፍሕን መድረኻዊ ግቡኣቶም ዘነጽርን ሰሚናራት ከካይዱ እንከለዉ፡ ውዳበ ሃማደኤ ጨንፈር ጀርመን ድማ መንፈቓዊ ገምጋም ስርሑ ኣሰላሲሉ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣቶ ዑስማን መሓመድዑመር፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ኣቡደቢን ከባቢኣን ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ተኣትዩ ዘሎ መድረኽ ሰላም፡ ፍረ ጽንዓትን ተጻዋርነትን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ንምዕቃቡን ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ብዝግበር ምድግጋፍ ንምድራዑን፡ ንቚሕ ተሳትፎ ዜጋታት ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ብተመሳሳሊ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኩወይት ኣቶ ሑመድ ያሕያ ሓሊ፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ኩውይት፡ ገስጋስ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዚ ዞባ ኣርሕይዎ ዘሎ ዕድላት ሽርክነትን ምድግጋፍን ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ’ዚ መድረኽ ዘብጽሐ ስጡም ውህደትን ሓድነትን ህዝብን መንግስትን፡ ንዝበለጸ ብልጽግና ብዝሓየለ ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል እውን፡ ብ14 ጥቅምቲ ንኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብዛዕባ ዕላማታት፡ መትከላት፡ ውድባውን ፖለቲካውን ብቕዓት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዘነጽር ሰሚናር ኣካዪዱ።

ብኻልእ ወገን፡ ውዳበ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ጨንፈር ጀርመን፡ ብ13ን 14ን ጥቅምቲ ኣብ ፍራንክፈርት መንፈቓዊ ገምጋም ስርሑ ኣቃኒዑ።

ኣብ’ቲ ወከልቲ 21 ንኡሳን ጨናፍር ዝተረኽባሉ ኣኼባ፡ ንጥፈታት – ብመንጽር ውጽኢቶም ክግምገሙ እንከለዉ፡ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዝትግበሩ ተዘትዩ።

Categories