ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ክቡር ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ክቡር ወርቅነህ ገበየሁን፡ ብ17 ጥቅምቲ 2018፡ ኣብ ሞቓዲሾ – ሶማሊያ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሞም።

እቲ ዑደት፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት እናዓዘዘ ዝመጽእ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ምትሕግጋዝን፡ መስርሕ መቐጸልታ ርክባት ናይ’ቲ ኣብ መስከረም 2018 ብመራሕቲ ኤርትራ፡ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስሉሳዊ ስምምዕን እዩ።

ክልቲኦም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሞቓዲሾ ኣብ ዝኣተዉሉ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም፡ ናብ ክቡር መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማል ብጽሖ ፈጺሞም።

ክልቲኦም ሚኒስትራት፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ክቡር ሓሰን ዓሊ ኸይረ እውን ተዘራሪቦም እዮም።

ኣብቲ ርክባት፡ ብመሰረት እቲ ስሉሳዊ ስምምዕ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ሓባራዊ ምትሕግጋዝ – ኣብ ቁጠባ፡ ፖለቲካን ጸጥታን ተመያይጦም። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐጻልነት ሰላምን ምርግጋእን ብሓባር ንምውሓስ ዘለዎም እምነት እውን ኣረጋጊጾም።

ብመሰረ’ቲ ስሉሳዊ ስምምዕ ዝመጹ ከም ምኽፋት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምጅማር ቀጥታዊ ጉዕዞ ኣየራት ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ርእሰከተማታትን፡ እወታዊ ምዕባለታት ምዃኖም ድማ ግንዛበ ሂቦምሉ።

ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብስም መራሕቲ ሃገራቶምን መንግስታቶምን መልእኽቲ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ንህዝብን መንግስትን ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማሊያ ዘለዎም ጽኑዕ ደገፍ ኣረጋጊጾም።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፡ ኣብ ጽላት ጸጥታን ቁጠባን ኣብ በበይኑ ፖለቲካዊ መስርሓትን ዘካየዶ ለውጥታትን ዘርኣዮ ምምሕያሻትን ንኢዶም።

እቶም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ህዝብን ፈደራላዊ መንግስትን ሶማል ብዘርእዩዎ ዘለዉ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ እውን ዝምስክረሉ ብቕዓት ምሕደራ ዘለዎም ኣድናቖት ገሊጾም።

ነታ ሃገር ዳግም ንምህናጽ፡ መንግስትን ትካላቱን ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ኣድማዒ ክኸውን ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ድማ ገሊጾም። ኣብ ሶማሊያ ዝድለ ለውጥታትን ህንጸትን ንምምጻእ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ጐድኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ደው ክብል ጸዊዖም።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን – ኩሎም ኣብ ሶማል ረብሓ ዘለዎም ወገናት፡ ንሰላምን ምርግጋእን ሶማል ክጽዕሩ ተላብዮም።

ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ሰለስቲአን ሃገራት ዘለዎም እምነት ብምግላጽ፡ ንጸጥታን ብልጽግናን ምርእግጋእን ናይ’ዚ ዞባ ከምዝጽዕሩ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ምዝዛም ዑደቶም – እቶም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ብስሞምን ብስም’ቶም ሓቢሮምዎም ዝተጓዕዙ ልኡኻትን፡ ስለ’ቲ ዝተገበረሎም ልባዊ ኣቀባብላ ኣመስጊኖም።

ሞቓዲሾ – 17 ጥቅምቲ 2018

Categories