ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኣብ ንድፊ ኣዋጅ ዘርኢ ዝዘተየ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ብ18ን 19ን ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ኣካዪዱ።

እቲ ኣብ 2002 ንዝወጸ ፖሊሲ ሕርሻ መሰረት ገይሩ ንዘተ ዝቐረበ ንድፊ፡ ብምኵር ዛምብያዊ ዶክተር ፍራንቸስኮ ሚቲ ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ካብ ኩለን ምምሕዳራት ዞባታትን ኣካላት መንግስቲን ዝተወከሉ ክኢላታት ዘርኢን ዘራእትን ተሳቲፎምዎ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ሕጋጋትን ቁጽጽርን ኣቶ ተኽለኣብ ምስግና፡ ምእኩት እቶት ሕርሻ ኣብ ምሩጽ ዘርኢን ፍርያም መሬትን ከምዝምርኰስ፡ ህላወ ኣዋጅ ዘርኢ ድማ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ መሰረታዊ ምዃኑ፡ ዘርኢን ዘራእትን ብግቡእ ንምቁጽጻር ከኣ፡ ሕግን ሕጋዊ ደገፍን ክህሉ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ኣብ 2005 ንድፊ ሕጊ ተዳልዩ፡ ሓጺር ገምጋም እውን ተገይሩሉ ምንባሩ ዝሓበረ ኣቶ ተኽለኣብ፡ ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ፡ ምሩጽን ብቑዕን ዘርኢ ኣእካልን ኣሕምልቲን ንምምዕባል ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ከምዝርከብ፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ስርናይን ስገምን ዝርከብዎም 40 ምሩጻት ኣዝርእቲ ከምዝማዕበሉን ብጉጅለ ንዝተወደቡ ሓረስቶት ተዓዲሎም ኣብ ምብዛሕ ከምዝርከቡን ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ ኣብ ጉጅለታት ተመቓቒሎም፡ ኣብ’ቲ 20 ዓንቀጻት ዘጠቓልል ንድፊ ዓሚቚ ዘተን ክትዕን ድሕሪ ምክያድ፡ ክመሓየሹ ኣብ ዝበልዎም ዓንቀጻት፡ ሓሳባትን ርእይቶታትን ኣፍሲሶም።

እቲ ንድፊ ኣዋጅ፡ ናይ መወዳእታ መልክዑ ምስ ሓዘ – ንኽጸድቕ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ክቐርብ እዩ።

Categories