ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ብ17 ጥቅምቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንዝፈጸሙ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን፡ ኣብ ሞቓዲሾ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡዎም።

እዚ ምብጻሕ’ዚ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ብ5 መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ ብመሰረት ዝኸተምዎ “ሓባራዊ ኣዋጅ ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝ” – ዝግበር ናይ ምምኽኻርን ምብጽጻሕን መደባት እዩ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣብ ምምዕባል ኩሉመዳያዊ ዝምድናን ገስጋስ ናይ’ቲ ቊጠባዊ፡ ፖለቲካውን ጸጥታውን ዓንድታት ዘጠቓልል ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስሉሳዊ ኣዋጅን ድሕሪ ምምይያጥ፡ ንሰላም፡ ርግኣትን ብልጽግናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎም ጽኑዕ መብጽዓ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን ዓሊ ኸይረን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሕመድ ዒሰ ዓወድን እውን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባታት ተዘራሪቦም።

ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ኣብ መዳያት ቊጠባን ጸጥታን ከምኡ’ውን ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣመዝጊብዎ ንዘሎ ገስጋስ ብምምጓስን ኣድናቖቶም ብምግላጽን፡ ጽኑዕ ደገፍ መንግስታቶምን ሃገራቶምን ንፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልን ህዝቢ ሶማልን ኣነጺሮም።

እቶም ሚኒስተራት ወሲኾም፡ ሓድሕዳዊ ምክብባር ንልኡላውነት፡ መሬታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ብምርግጋጽ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ሶማልን መሪሕነቱን ደው ብምባል፡ ንሕውየት ሶማልያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ኩሉ ዝከኣለን ክገብራ ዘለወን ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ተሃድሶ ጻዕሪታት ምሉእ ደገፍ ክገብር፡ ኩሎም መሻርኽቲ – ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ይኹኑ ኣብ ወጻኢ ድማ፡ ንሰላምን ምርግጋእን ሶማል ክሰርሑ ጸዊዖም።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሞቓዲሾ ኣብ ዝኣተዉሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማል ሓሰን ዓሊ ኸይረን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሕመድ ዒሰ ዓወድን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ተቐቢሎምዎም።

Categories