ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ‘መብጽዓ ንብሩህ መጻኢ’ ብዝብል ቴማ መበል 25 ዓመት ምምስራቱ፡ ትማሊ 17 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ – ሆቴል ኣስማራ ፓላስ ጸምቢሉ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተራት ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ፡ ኣባላት ማሕበርን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽብሉ ጽምብል፡ ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ወ/ሮ ልኡል ገብርኣብ፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1977 ኣብ ዘቃነዖ 1ይ ውድባዊ ጉባኤኡ ኣብ ዘርቀቖ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም፡ ንምሕብሓብ ስንኩላንን ስድራ ስዉኣትን ዝጠቅስ ዓንቀጽ ምስፋሩ፡ ንብልሑን ኣርሒቑ ናይ ምጥማት ዓቕሙን ዘነጽር ከምዝኾነ ገሊጻ።

ሚኒስተር ልኡል ወሲኻ፡ ስንክልና ግቡእ ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን እንተዘይተገይሩሉ፡ ኣብ ግዳያት ዝፈጥሮ ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጸቕጢ ቀሊል ብዘይምዃኑ፡ ኣብ ኤርትራ ስንኩላን ኣፍረይቲ እምበር ተጸበይቲ ንኸይኮኑ፡ ኣብ ኲሉ-መዳያት ምዕሩይ ዕድላት ክረኽቡ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ጻዕርታት ክካየድ ከምዝጸንሐ ሓቢራ።

ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ መምህር ገብረብርሃን ኢያሱ ኣብ ዘቕረቦ ንጒዕዞ 25 ዓመት ዘብርህ ጸብጻብ፡ “ስንኩላን ብቑዓት ኣፈኛታት ናይ ጉዳያቶም እዮም። ካብኦም ንላዕሊ ብዛዕባ ኵነታቶም ዝፈልጥ የለን።’’ ድሕሪ ምባል፡ ስንኩላን ሓርበኛታት ኣፍረይቲ እምበር ተጸበይቲ ከይኮኑ፡ ማሕበር ምስ መንግስቲን መሻርኽቱን ተሓባቢሩ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ፡ ዓበይቲ ብድሆታት ስለዘለዉ ግዳ፡ እቲ ጾር ናብ መንግስቲ ጥራይ ከይተገድፈ፡ ሕብረተሰብ ግቡእ ሓላፍነቱ ክስከም ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ጽምብል፡ ካብ ኮለጅ ንግድን ስነ-ፍልጠትን ዓዲቐይሕ ዶክተር ጊዮርጊስ ተኽለ፡ “ሽቕለትን ማሕበረቊጠባዊ ኩነታት ስንኩላን ሓርበኛታትን”፡ ፕሮፈሰር ኣበበ ክፍለየሱስ ድማ “ማሕበራዊ ምስግጋርን ምጽንባርን ናይ ኲናት ስንኩላን ሓርበኛታት ናብ ሲቪላዊ ህይወት” ዝብሉ፡ ንኩነታት ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ብዕምቈት ዝድህስሱ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣቕሪቦም።

ክልቲኡ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ፡ ማሕበራዊ ኲነታትን ሽቕለትን ስንኩላን፡ ሳዕቤናት ስንክልና፡ ምቕባልን ስነኣእምሮኣዊ ቅሩብነትን ንስንክልና፡ ስንክልናን ደቂ-ኣንስትዮን፡ ጠመተ ስንኩላን ብሕብረተሰብ፡ ከምኡ’ውን ብድሆታት ስንኩላንን ማሕበርን ዝብሉ ዛዕባታት ዘልዓለን ዝፈተሸን እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ ንስንኩላን ግቡእ ኣቓልቦ ክህብን ክሕብሕብን፡ ዝስርሑ ህንጻታትን ትካላትን ንስንኩላን ኣብ ግምት ዘእተዉ ንክኾኑ ጻዕሪታት ክካየድ፡ ኣገልግሎት መጐዓዝያን ሕክምናን ንስንኩላን ብናጻ ክኸውን ዝብልን ካልእን ርእይቶታትን ለበዋታትን ብተሳተፍቲ ቀሪቡ።

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኲላን ኲናት ኤርትራ፡ ኣብ 1993 ዝተመስረተ ናጻ ማሕበር ኮይኑ፡ ልዕሊ 18 ሽሕ ኣባላት ኣለዉዎ።

Categories