ዓለማዊ መዓልቲ መግቢ፡ “ስጉምትታትና ዋሕስ መጻኢና፡ ክሳብ 2030 ጥሜት ኣልቦ ዓለም ምፍጣር ይከኣል’ዩ” ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 16 ጥቅምቲ፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ እምባደርሆ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ተዘኪራ።

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ግዝያዊ ወኪል ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ዕዱማትን ዝተረኽቡሉ ስነ ስርዓት፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ “ሽሕ’ኳ ጥሜት ኣልቦ ኩነታት ምፍጣር ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ናይ ብዙሓት ጽላታት ዝሓትት እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ተዋሳኣይ ግና ጽላት ሕርሻ እዩ። ምኽንያቱ፡ ብደረጃ ዓለም ኣስታት 80 ሚእታዊት ናይቶም ኣብ መስመር ድኽነት ዝርከቡ፡ ኣብ ገጠር ዝነብሩን መነባብሮኦም ኣብ ሕርሻ፡ ሃብቲ ዓሳን ኣግራብን ዝምርኰስ ስለዝኾነ።” ክብል ገሊጹ። ብመሰረት ጸብጻባት ኣህጉራውያን ትካላት፡ ብሰንኪ ግጭት፡ ክሊማ፡ ቊጠባን ዘይምዕሩይነትን፡ ጥሜት ኣልቦ ዓለም ንምፍጣር ካብ ቅድሚ ሕጂ ኣዝዩ ዝጸንከረ ምዃኑ ድማ ኣገንዚቡ። (ምሉእ ትሕዝቶ ቃል ሚኒስተር ኣረፋይነ ኣብ ገጽ 2 ኣሎ) 

ንኣወሃሃዲት ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራትን ሓላፊት ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኤርትራ – ሚስ ሱዛን ንጎንጊ ወኪሉ ቃል ዘስመዐ ሚስተር ክለቨር ማፑሰኒ ድማ፡ ኣብ’ዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነተን ምርግጋጽ “ጥሜት ኣልቦ ዓለም”ን “ምጥፋእ ድኽነት”ን ዝብላ ቀዳመይትን ካልኣይትን ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ፡ ልዑል ኣቓልቦ ምሃበን ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምትሕብባር፡ ነዚ ሸቶታት’ዚ ንምውቃዕ ከም ቀንዲ ዕላማ ሒዙ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

መልእኽቲ ዋና ዳይረክተር ትካል መግብን ሕርሻን ዶክተር ግራዝያኖ ዳ ሲልቫ ዘቕረበ ዶክተር ደቪድ ሰሰ ብወገኑ፡ ናይ መጀመርያ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ ጥሜት ቅድሚ 25 ዓመታት ከምእተዘከረት፡ ካብ ሽዑ ድማ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ህዝቢ ካብ ድኽነት ከምእተገላገለ ብምጥቃስ፡ ንጻዕሪን ሰናይ ድሌትን ፖለቲካውያን መራሕቲ ሞጒሱ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ቃል ፈጻሚ ዳይረክተር ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ እውን ተነቢቡ።

እቲ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ንሕርሻዊ ኩነታት ሃገርናን ዓለምናን ብዘርኢ ቪድዮ፡ ምዕዳል ምስክር ወረቐት ንኣብነታውያን ሓረስቶት፡ ከምኡ’ውን ነታ ዕለትን ኣገዳስነታን ብዘንጸባርቕ ባህላዊ መሰናድኦ ደሚቑ ነይሩ።

Categories