ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ብ14ን 15ን ጥቅምቲ፡ ኣብ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይዘሮ ሙፈርያት ካምልን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ-ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ – ብቐጥታ ናብ ክልል ደቡብ ብምምራሕ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ-ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን – ብሓባር ሪበን ቈሪጾም ን“ፋብሪካ ሽኮር ኩራ’ዝ ቊጽሪ 3” ድሕሪ ምምራቕ፡ ብዛዕባ’ቲ ፋብሪካ ብስእሊ ዝተደገፈ መግለጺ ተዋሂቡዎም።

ነቲ ፋብሪካን ኣገባብ ኣሰራርሓኡን ተዘዋዊሮም ኣብ ዝተዓዘቡሉ ድማ፡ እቲ ብልዕሊ 8 ቢልዮን ብር ዝተደኰነ ግዙፍ ፋብሪካ፡ ዕለታዊ ካብ 8 ክሳብ 10 ሽሕ ኩንታል ሽኮር ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ፡ ንኣስታት 3,500 ሰባት ብግዝያውን ቀዋምን ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ተገሊጹሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኢትዮጵያ ብዙሕ ባህርያዊ ጸጋታት’ኳ እንተለዋ፡ ከም’ቲ ዝድለ ክትጥቀመሉ ከምዘይጸንሐት፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና ንምምዕባሉ ትሰርሕ ከምዘላ ሓቢሩ። ስ/ ኣክሊሉ ዘርእዝጊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ምስፋን ዕርቅን ሰላምን ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝገበሮ ዓቢ ኣበርክቶ ድሕሪ ምምስጋን ከኣ፡ እዚ ናይ ሕጂ ዑደት፡ ውህደት ልምዓታዊ መደባት ክልቲአን ሃገራት ንምብግጋስ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ዓቢ መደብ ክሳተፍ ንዝቐረበሉ ዕድመ ብምምስጋን፡ እዚ ፕሮጀክት’ዚ፡ ኤርትራ እውን ተመኵሮ ክትቀስመሉ እትኽእል ኣገዳሲ – ‘ከፋት ዓይኒ’ ናይ ልምዓት ፕሮጀክት ከምዝኾነ ጠቒሱ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዓወት ተመንዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ምስኡ ዝተጓዕዘ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራን፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተሰንዩ፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ኣርባ-ምንጭ ንዘሎ ባህርያዊ ጸጋታትን ማራኺ ትርኢትን ዝሓቘፈ ቱሪዝማዊ ቦታታት፡ ከምኡ’ውን ሕርሻ ምርባሕ ሓራግጽ ተዓዚቡን ናይ ምሳሕ እንግዶት ተገይሩሉን።

ኣብ ናይ ካልኣይ መዓልቲ ዑደቱ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ – ጅማን ከባቢኣን ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ህዝቢ ሳቃ-ጫኮርሳ ምዉቕ ህዝባዊ ኣቀባብላን ብባህርያዊ ጸጋታት ኣብ ዝተኸበ ቦታ ናይ ቁርሲ እንግዶትን ገይሮሙሉ።

ዓበይቲ ዓዲ ህዝቢ ኦሮሞ ድማ፡ ከም መግለጺ ኣኽብሮቶምን ደገፎምን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንባህሎም ዝውክል ህያባት ኣበርኪቶሙሉ።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ናብ ኣዲስ-ኣበባ ብምምላስ፡ ካብ ምኽታም “ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን” ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ መድረኻትን ገስጋሱን ዝግምግምን፡ ናይ መጻኢ መደባት ዝሕንጽጽን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምዕባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተኰረ ርክብ ኣካዪዶም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም፡ ኪኖ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድናታትን ምትሕግጋዛትን፡ ኣብ ዞባና ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ምቅርራብን ሽርክነትን መደብ ብዛዕባ ዝቕጽለሉ መዳያት ተመያዪጦምን ሓደስቲ መደባት ሓንጺጾምን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ከምኡ’ውን ዳይረክተር ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ ኣሚን ሓሰን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓቢሮም ተጓዒዞም ነይሮም።

Categories