ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም፡ ብ13 ጥቅምቲ፡ ተራ መንእሰያት ኣብ ምዕቃብ ክብርታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዝምልከት – ንኣባላት መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሰሚናር ኣካዪዳ።

ኣብቲ “መእሰያትን ምዕቃብ ክብርታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ስልጡን ሕብረተሰብን ሕብንቲ ሃገርን ንኽህልዉ፡ ብብዝሑ ዘይኮነስ ብዓይነቱ ዝልለ ውፉይን ብስነ-ምግባሩ ዝልለን መንእሰይ ከምዘድሊ ብምጥቃስ፡ መንእሰያት ንውሁብ ጸጋ ዕድመኦም ብዝግባእ ኣለልዮም፡ መጻኢ ሂወቶም ዘውሕሱሉ ፍልጠት ክድልቡ ከምዝግባእ ኣገንዚባ።

ሚኒስተር ፎውዝያ፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ በብመድረኹ ስልጡን ባህሉን ክብርታቱን እናዀልዐ ዝቕጽል፡ ከም ሃገር ድማ ብልዑል ሃገራዊ ኒሕን ፍናንን ዝልለ ብምዃኑ፡ መንእሰያት ነዚ ክብርታት’ዚ ዓቂቦም መድረኻዊ ሓላፍነቶም ከልዕሉ ከምዝጸንሑ፡ ናይ ሎሚ መንእሰያት እውን ኣሰሮም ተኸቲሎም ግቡእ ሓላፍነቶም ክስከሙን ኣብ መደባት ህንጸት ሃገርን ሃገራውነትን ተራኦም ከዕዝዙ ትጽቢት ከምዝግበርን ብዝርዝር ኣረዲኣ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኩሉ ዝምልከቶ ኤርትራዊ – ኣብ ሓደ መኣዲ ተቐሪቡ፡ ኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ኣካዳሚያውን ሞያውን ብቕዓት ዝድልበሉ ኣገዳሲ መድረኽ ብምዃኑ፡ እቶም መንእሰያት ነዚ ብምብቅዖም ክሕበኑ ከም ዝግባእ ኣስሚራትሉ።

Categories