ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ሓረስቶት ዘራእቶም ኣብ ቆፎኡ ክሳብ ዝኣቱ፡ ካብ ባልዕን ጸያቕ ማዕጺድን ክሕልዉ ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ዓሊ፡ ብ8 ጥቅምቲ ኩነታት ዘራእቲ ንኡስ ዞባ ገለብ ተዘዋዊሩ ተዓዚቡን፡ ምስ ነበርቲ ዘትዩን።

ኣቐዲምካ ዝግበር ምድላዋትን ምቅይያር ዘርእን፡ ኣብ እቶት ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ዝገለጸ ኣቶ ዓሊ፡ ብሰፊሑ ክዝውተርን መስኖኣዊ ልምዓት ክሕይልን ተላብዩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ገለብ ኣቶ የማነ መብራህቱ ብወገኑ፡ ናይ ሎሚ-ዘመን ሕርሻዊ እቶት፡ ዛጊት ብዘሎ ኣፈናዊ ዳህሳስ – ዝናብ ቀልጢፉ ብምቁራጹ ዝበዝሐ ከምእተዀልፈ ገሊጹ።

Categories