ኤርትራ፡ ኣባል ናይ’ቲ ጀኔቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ከተገልግል፡ ትማሊ 13 ጥቅምቲ ብሓፈሻዊ ባይቶ ናይ’ቲ ውድብ ተመሪጻ።

ኣብ’ዚ ካብ ዝመጽእ ባሕቲ ጥሪ 2019 ስርሑ ዝጅምር ባይቶ፡ ንሰለስተ ዓመታት ንኣህጉር ኣፍሪቃ ወኪለን ከገልግላ ተመሪጸን ዘለዋ – ኤርትራ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ካሜሩን፡ ሶማልያን ቶጎን እየን።

ብዘይካአን፡ ኣርጀንቲና፡ ኦስትርያ፡ በሃማስ፡ ባሕሬን፡ ባንግላደሽ፡ ቡልጋርያ፡ ቸክያ፡ ዴንማርክ፡ ፊጂ፡ ህንዲ፡ ኢጣልያ፡ ፊሊፒንስን ኡራጓይን እውን፡ ነንኣህጉረን ወኪለን ኣባላት ናይ’ዚ ባይቶ ኮይነን ተመሪጸን ኣለዋ።

ብመሰረት መስርሕ ምርጫ ናይ’ቲ ባይቶ፡ 5 መናብር ንሃገራት ኣፍሪቃ፡ 5 መናብር ንሃገራት ኤስያ-ፓስፊክ፡ 2 መናብር ንሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ፡ 3 መናብር ንሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን፡ 3 መናብር ድማ ንሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ እዩ ዝመቓራሕ።

 

Categories