ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፓብሊክ ኢጣልያ ጁዜፐ ኮንተ፡ ትማሊ ዓርቢ 12 ጥቅምቲ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንተ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራትን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን መንግስቲ ኤርትራ፡ ብሃገራዊ መዛሙር ሪፓብሊክ ኢጣልያን ኤርትራን፡ ከምኡ’ውን ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ጁዜፐ ኮንተን ኣብ ህንጻ ሃገር ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታት ዘትዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም፡ ምሕዳስ ታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ኢጣልያን፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኣገዳስን ትስፉውን መድረኽ ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን ይካየድ ብምህላዉ – ፍሉይነት ከምዘለዎ ብምግንዛብ፡ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኤርትራን ብፍላይ፡ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ድማ ብሓፈሻ – ብዝግበር ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዑ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጁዜፐ ኮንተ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብምኽንያት’ቲ ብ9 ሓምለ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመን ንኵነተ-ኲናት መኸተምታ ብምግባር ሓድሽ ምዕራፍ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዘርሓወን “ኣጠቓላሊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን” ዮሃናኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሃገሩ ንትግባረ ናይ’ዚ ስምምዕ ምሉእ ደገፍ ንምግባር ዘለዋ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ኢጣልያ፡ በዚ ትስፉው ሃዋህው ተተባቢዓ፡ ኣብ መዳያት ወፍሪ፡ ናይ ምትሕግጋዝ ፕሮጀክትታት፡ ትምህርታዊ መደባት፡ ከምኡ’ውን ቴክኒካውን ሞያውን ስልጠናታት ከምእትተሓጋገዝ ዘነጸረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጁዘፐ፡ ዝምድና ኤርትራን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝያዳ ንኽድንፍዕ፡ ኢጣልያ ግቡእ ተራኣ ከምእትጻወት ገሊጹ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኤርትራን ኢጣልያን ታሪኻዊ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ምዃነን፡ እንተኾነ፡ እዚ ዝምድና’ዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከም’ቲ ዝድለ ክምዕብል ከምዘይጸንሐ ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ኪኖ’ቲ ምስ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፈጢራቶ ዘላ ምትእስሳር፡ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ምክብባር፡ ረብሓን ሽርክነትን ዝተሰረተ ዝምድና ንምህናጽ ከምእትሰርሕ፡ ምስ ዝኾነት ሃገር እትገብሮ ጽምዶ ድማ ካብ’ዚ ርድኢት’ዚ ዝብገስ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ – ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ኢጣልያ ኣቶ ፍስሓጼን ጴጥሮስን ዳይረክተር ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ ኣሚን ሓሰንን፣ ብወገን መንግስቲ ኢጣልያ ድማ – ኣምባሳደር’ታ ሃገር ኣብ ኤርትራ ስቴፋኖ ሞስካቴሊ፡ ኣምባሳደርን ዲፕሎማስያዊ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕየትሮ ቤናሲ፡ ወተሃደራዊ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣድሚራል ካርሎ ማሳሊ፡ ከምኡ’ውን ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ሮኮ ካዛሊኖ ዝርከቡዎም ሰበ-ስልጣን ተሳቲፎም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንክብሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፓብሊክ ኢጣልያ ጁዜፐ ኮንተን ምስኡ ሓቢሩ ዝመጸ ጉጅለ ልኡኽን፡ ናይ ምሳሕ እንግዶት ገይሩ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንተ፡ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ከተማ ኣስመራ ብፍላይ ድማ ኣብ ጐደናታት ሓርነትን ናቕፋን ዑደት ብምክያድ፡ ኣብኡ ንዝርከብ ታሪኻዊ ህንጻታት ተዓዚቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጁዜፐ ኮንተ፡ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ናብ ሃገሩ ተፋንዩ።

(ንተወሳኺ ጸብጻብ ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ጁዜፐ ኮንተ ኣብ 5ይ ገጽ ረአ)

Categories