ገዲም ተጋዳላይ ጐይትኦም ኣርኣያ፡ ብ10 ጥቅምቲ ኣብ መበል 64 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ጐይትኦም ኣርኣያ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ደቡብ፡ ብደረጃ ሓላፊ ኣሃዱ ዕዮ ተመዲቡ፡ ንህዝቡን ንሃገሩን ብተወፋይነት ከገልግል ዝጸንሐ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ጐይትኦም ኣርኣያ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ውላድን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ትማሊ ሓሙስ 11 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ደቀምሓረ – ደንበዛን ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ተጋዳላይ ጐይትኦም ኣርኣያ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መሳርሕቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories