ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ካብ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሚኖሶታ – ሕቡራት መንግስታ ኣሜሪካ፡ ናይ ዓራውቲ ሓገዝ ረኺቡ።

እቲ ንምምሕዳር ሆስፒታል ኦሮታ ዝተረከበ 38 ናይ ሕክምና ዓራውቲ፡ ድሮ ኣብ ኣገልግሎት ውዒሉ ከምዘሎ፡ ካብ ምምሕዳር’ቲ ሆስፒታል ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣብ ክፍሊ ኣሃዱ ጽኑዕ ክንክን (ICU) ርእሰ-ነርስ ለምለም ተስፋእየሱስ ንኤሪና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ብሓገዝ ዝተረኽበ ዓራውቲ ብሓይሊ ኤለክትሪክ ዝሰርሕ ብምዃኑ፡ ንሕሙማት ኣብ ዓራት ከተቕንዖምን ካልእ ሓገዛት ክትገብረሎምን ጉልበት ካብ ምጥቃም ከምዘናግፍ ኣረዲኣ።

ርእሰ-ነርስ ለምለም፡ ነቶም ተገዲሶም ሓገዝ ዝለኣኹ ኣባላት ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሚኖሶታ ብምምስጋን፡ ካልኦት እውን ኣሰሮም ክስዕቡ ጸዊዓ።

Categories