ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፓብሊክ ኢጣልያ – ጁዜፐ ኮንተ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ 12 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣስመራ ክኣቱ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንተ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታት ክዝቲ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንተ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ፈጺሙ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።

Categories