ሃገራዊ ትካል ሕርሻዊ ምርምር ሓልሓለ፡ ሓረስቶት ንኡስ ዞባ መንደፈራ – ተጠቀምቲ ‘ኣቲላ’ ዝተሰምየ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ክኾኑ ብዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ተጠቃምነት ናይ’ቲ ዘርኢ ብ17 ዕጽፊ ከምዝዓበየ ተገሊጹ።

ኣብቲ ትካል ላዕለዋይ ተመራማሪ ምምሕያሽ ዘራእቲ፡ ኣቶ ንጉሰ ኣብርሃ፡ ብምኽንያት መዓልቲ ሓረስቶት ብ4 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዕላማ እቶትን እቶታውነትን ንምዕባይ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ብ13 ሓረስቶት ኣብ 5.7 ሄክታር ዝተዘርአ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ኣቲላ፡ ካብ ሄክታር ክሳብ 74 ኩንታል ከምእተረኽቦ ኣብሪሁ።

በቲ ውጽኢት ተተባቢዖም፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ 221 ሓረስቶት – ኣብ 54 ሄክታር ኣልሚዖምዎ ከምዘለዉ፡ ብዝነበረ ህጡር ክራማት ድማ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከምዝበጽሐ ዝገለጸ ኣቶ ንጉሰ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናብ ኩለን ከባቢታት ክዝርጋሕ ምዃኑ ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣቶ በረኸት ተኽለስላሴ ብግደኡ፡ ሓረስቶት ናብ’ዚ ትስፉው ደረጃ ክበጽሑ ዝኸኣሉ፡ ብክኢላታት ንዝወሃቦም ኣስተምህሮ ብግቡእ ስለዘተግበሩ፡ ከምኡ’ውን ኣድላዪ ክንክን ስለዝገበሩ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ህዝቅያስ ውህበት፡ ሓረስቶት ነዚ ረኺቦምዎ ዘለዉ ዕድል ብዝግባእ ተጠቒሞም፡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ዘሎ ዘራእቶም ኣብ ቆፎኡ ክሳብ ዝኣቱ፡ ካብ ግራውቶም ከይተፈልዩ ክከታተሉ ተላብዩ።

ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ‘ኣቲላ’፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝህቦ ብርኩት ምህርቲ፡ ደርቅን ሕማማትን ስለዝጻወር እውን ብልጫ ከምዘለዎ እዩ ዝግለጽ።

Categories