ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ ስዉራን ኤርትራ፡ መነባብሮ ስድራቤታት ዓይነ-ስዉራን ንምውሓስ ኣብ ዘሰላስሎ ዘሎ ንጥፈታት፡ ተራ መሻርኽቲ ኣካላት ብቐንዱ ድማ ናይ ምምሕዳራት ከባብን ዓድታትን ክዓዝዝ ጸዊዑ።

እቲ ማሕበር ነዚ ጻውዒት’ዚ ዘቕረበ፡ ብ9 ጥቅምቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ – ምስ ኣመሓደርቲ ዓድታት፡ ወከልቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ሃገራውያን ማሕበራትን ኣብ ዘካየዶ ርክብ’ዩ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣቶ ክፍለማርያም ገብረመስቀል፡ ሕብረተሰብ ኣብ ምእላይን ምሕብሓብን ስንኩላን ብሓፈሻ ዓይነ ስዉራን ድማ ብፍላይ እጃሙ ከበርክት ብምልባው፡ ሓገዝን ምትብባዕን ንኡስ ዞባ ኣብ ቦታኡ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

“ሕቶ ዓይነ-ስዉራን፡ ሕቶ ማሕበር ጥራይ ዘይኮነ – ናይ መላእ ሕብረተሰብ ሕቶ’ዩ” ዝበለ ኣካያዲ ስራሕ ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን ኤርትራ ኣቶ ክፍሎም ወልደገብርኤል፡ ንንጥፈታት ማሕበር ዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

ማሕበር ምስ ዝተፈላለያ መሻርኽቲ ኣካላት ብምትሕብባር፡ ኣባላቱ ብቚጠባ ነብሶም ዝኽእሉሉ መዳይ ንምፍጣር ይሰርሕ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ክፍሎም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ን150 ኣባላቱ ብዝመረጽዎ ዓውዲ ከምዘጣየሰ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ድማ ብዝለዓለ ይነጥፈሉ ከምዘሎ፡ ሕቶ ዓይነስዉራን ደቂ-ኣንስትዮ ከኣ ፍሉይ ቈላሕታ ተዋሂብዎ ንጥፈታተን ብቐረባ እትከታተል ኮሚቴ ቈይማ ከምዘላ ገሊጹ።

ሰነዳት ማሕበር ከም ዝሕብሮ፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣስታት 10,500 ዓይነስዉራን ክህልዉ እንከለዉ፡ ዛጊት ኣብ ማሕበር ዝተጠርነፉ እቶም ኣስታት 3000 ጥራይ እዮም።

Categories