ንኣስታት 17 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሐ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት)፡ ቃልሱ ብሰላማዊ መንገዲ ክቕጽል ምስ መንግስቲ ደሞክራስያዊት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ብዝበጽሖ ስምምዕ፡ 3,200 ኣባላት ሰራዊቱ ትማሊ 9 ጥቅምቲ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም።

ብመሰረት’ቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ሳምንታት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተኻየደ ርክብ፡ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ መጺኡ ንዘሎ ለውጢ ብምድጋፍ፡ ንምሕያሉ ናብ ሃገሩ ኣትዩ ቃልሱ ብሰላማዊ መገዲ ከካይድ ኣብ ምርድዳእ ምብጽሖም ይዝከር።

ንትግባረ ናይ’ቲ ብ28 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብዝምልከት ድማ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ‘ደምህት’፡ ኣቐዲሙ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዉ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቐዲሙ ምስ ዝተፈላለያ ኣብ ቃልሲ ዝጸንሓ ምንቅስቓሳትን ውድባትን ኢትዮጵያ ብዝኸተሞ ተመሳሳሊ ስምምዓት፡ ከም ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኣምሓራ፡ ኣርበኞችግንቦት 7፡ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን ካልኦትን፡ ቃልሶም ብሰላማዊ መንገዲ ንምቕጻል ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘምራሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ ምስ በጽሐ፡ ሓንቲ ሰራዊት ጽዒና ዝነበረት ዓባይ መኪና ብምግምጣላ 4 ከምዝሞቱ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ቊሱላት ድማ ኣብ’ቲ ከባቢ ናብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ከምእተወስዱ፡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

Categories