ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ኣብ ገስጋስ ስራሑን ተራ ሞያውያን መንእሰያት ሕጊ ኣብ ምሕያል ትካላት ፍትሒን ዘተኰረ፡ ካብ ኩለን ዞባታት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ኣባላቱ ዝተሳተፍዎ ዓውደ ዘተ፡ ብ8ን 9ን ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ኣካዪዱ።

ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ ዓውደ-ዘተ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ሃገራዊ ሕጊ፡ ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ታሪኻውን ሰረታት ሕብረተ-ሰብ ምርኲስ ዝገብርን፡ ንፍሉይነት ሃገርን ህዝብን መንግስትን ኣብ ግምት ዘእቱን ምዃኑ፡ ኩለንትናዊ ብቕዓት ዘማልአ በዓል-ሞያ ሕጊ ድማ፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ሰረታትን ፍሉይነታትን ሕብረተሰብ ዘሳሲ ኣመላኻኽታን ኣተሓሳስባን ዝውንን ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚባ።

ኣስዒባ፡ ህዝቢ ኤርትራ – ካብ ነዊሕ ዘመናት ኣትሒዙ ብናይ ባዕሉ ሕግታትን ስርዓታትን ዝምራሕ ዝነበረ ስልጡን ህዝቢ ምዃኑ፡ ፍትሒ ምውሓስን ሕጊ ምኽባርን ድማ ካብ ድሙቕ ክብርታቱ ከምዝኾነ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ሕግታት ዕላማኦም ክወቕዑ፡ ባህሊ ሕብረተሰብን መትከላት መንግስትን ብግቡእ ዝርዳእ በዓል-ሞያ ከምዘድሊ ኣስሚራትሉ።

“ህዝቢ፡ ብቐሊሉ ኣብ ቀረባኡ – ብቑዕን ስሉጥን ኣገልግሎት ፍትሒ ከምዝረክብ ንምግባር፡ መንእሰያት ሞያውያን ተራኦም ከዕዝዙ ይግባእ” ዝበለት ሚኒስተር ፎውዝያ፡ መስርሕ ምህናጽ ብቑዕ ስርዓተ-ፍርዲ ኣብ ሓደ እዋን ዝዕመም ስለዘይኮነ፡ ቀጻሊ ስራሕን ጻዕርን ከምዘድልዮ ኣገንዚባ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ምስ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ኩነታት ብዝዳረግ ንጥፈታት ክዓዩ፡ ሞያኦም ኣብ ምዕባይ ዝሕግዝ ስልጠናታት ክድፋኣሉ ተላብዮም።

Categories