ማሕበር መማህራን ዞባ ማእከል፡ ብምኽንያት 5 ጥቅምቲ – ኣህጉራዊ መዓልቲ መማህራን ኣብ ዝወደቦ ስነስርዓት፡ ነቲ “መሰል ትምህርቲ፡ ብብቑዕ መምህር ይረጋገጽ” ዝብል ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ ዝያዳ ንምዅላዕ፡ 25 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከባኦም 88 ገዳይምን ኣብነታውያንን መማህራን ኣተባቢዑ።

ብ6 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ መደብ፡ ካብ 40 ክሳብ 56 ዓመታት ብተወፋይነት ዝሰርሑን፡ ኣብ ኩሉ ንጥፈታቶም ብሉጻት ምዃኖም ዝተመስከረሎምን መማህራን፡ ናይ ገንዘብን ወረቐት ምስክርን ሽልማት ተዋሂቦም።

ኣቦ-መንበር’ቲ ጨንፈር መምህር ኣፈወርቂ ገብረእግዚኣብሄር፡ ምስ መሻርኽቶም ብምትሕብባር – ኣብ ምትብባዕ ብሉጻት መማህራንን ምብራኽ ሞያዊ ዓቕሚ መማህራንን ብምድሃብ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ መምህር በላይ ሃብተጋብር ብወገኑ፡ መምህር እምነ-መሰረት ኩሉ ዓይነት ፍልጠት ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ መማህራን ሒዞምዎ ንዘለዉ ረዚን ሞያዊ ሓላፍነት ብትግሃት ክዓዩሉ ተላብዩ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ መማህራን፡ ብደረጃ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ እውን ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ከምእተዘከረት፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories