ብምኽንያት ጽምብል ብሩራዊ እዮቤልዩ ምምስራት ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ኩሉ-መዳያዊ ተመኲሮታት ስንኩላን ኲናት ንምልውዋጥ ዝሕግዝ ርክብ፡ ብ4 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ መንደፈራ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ዘተ፡ ማሕበር – ኣብ ናይ 25 ዓመት ጒዕዞኡ፡ ቊጠባውን ማሕበራውን መነባብሮ ኣብ ዞባ ደቡብ ናይ ዝርከቡ ኣባላቱ ንምምሕያሽ ብዝፈጠሮ ዕድላት፡ ካብ ተጸባይነት ተገላጊሎም ነብሶም ክኽእሉ ከምዝሓገዞም ተሳተፍቲ ገሊጾም።

ብዝረኸብዎ ዕድላት ሞያዊ ስልጠናን ልቓሕን፡ ኣብ ዝተዋፈርዎ ዓውዲ ከምእተዓወቱ ዝገለጹ ኣባላት ማሕበር፡ ንስንክልናኻ ምቕባል ሓደ ካብ ምስጢር ዓወቶም ምዃኑ ሓቢሮም። ብህዝብን መንግስትን ንዝግበረሎም ደገፍ ድማ ኣመስጊኖም።

ሓላፊ ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ተስፋልደት መንግስቱ፡ ድልየታትን ጠለባትን ኣባላት ማሕበር ንምምላስ በብዓውዱ ስልጠናታት ብምሃብ፡ እቶት ኣብ ዘመንጩ ስርሓት ከምዝዋፈሩ ንምግባር ዝተሰላሰለ መደባት ኣተባባዒ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ኣብሪሁ።

ብደረጃ ዞባ፡ ኣብ ጽርበት ዕንጸይቲን ሓጺንን፡ ልምዓት ጀራዲን፡ ምርባሕ ጥሪት፡ ትካላት ሕብስትን ኣብያተ-ሻሂን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ንኡስ መጠን ሸቐጥ ተዋፊሮም ምንጪ ቊጠባዊ እቶት ዘውሓሱ – ብኣብነት ክጥቀሱ ዝበቕዑ ኣባላት ከምዘለዉ ድማ ሓቢሩ።

ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኤርትራ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስን ምኽባር ሉኣላውነትን ዝሰንከሉ፡ ኣስታት 4,530 ኣባላት ኣለውዎ።

ወግዓዊ ጽምብል ብሩራዊ እዮቤልዩ ምምስራት ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ “መብጽዓ ንብሩህ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ዝመጽእ 17 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ክካየድ እዩ።

Categories