ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሃበሮ ጸሊም፡ ብተንቀሳቐስቲ ኣሃዱታት ሕክምና ዘሰላስሎ ዘሎ መስርሕ ምዕዳል ቫይታሚን “ኤ፡ ክታበት ህጻናትን ክንክን ቅድሚ ሕርሲን ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ገሊጹ።

ቫይታሚን “ኤ”፡ ኣብ ዕብየትን ህንጸት ኣካላትን ህጻናት፡ ምክልኻል ረኽስን ምምዕባል ተጻዋርነት ሕማማትን ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ዝሓበረ እቲ ጨንፈር፡ እቲ ምዕዳል ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዞባ ዓንሰባ ብሓፈሻ፡ ኣብ ርሑቕን ምሕድግ ዝበለ ከባቢታትን ድማ ብፍላይ ይስራሓሉ ምህላዉ፡ ኣብ ጥዕና ህጻናት ድማ ርኡይ ለውጢ ይመጽእ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ሓላፊ መደበር ጥዕና ሃበሮ-ጻዕዳ፡ ነርስ ዮናስ ሃብተማርያም፡ ኣብ ኩሉ ገጠራት ዕደላ ቫይታሚን “ኤ”ን ካልእ መደባት ክታበትን ከምዝወሃብ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምቊጽጻር፡ ጽሬት ኣከባቢ ዝከታተሉ ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታት ወከልቲ ጥዕና ከምዘለዉን ኣተባባዒ ንጥፈታት ይዓሙ ምህላዎምን ገሊጹ።

ነርስ ዮናስ፡ መደበር ጥዕና ሃበሮ ጻዕዳ – ንነበርቲ ከባቢ ሃበሮ ጸሊም እውን ስለእተገልግል፡ ዘለዋ ሕጽረት ፍታሕ ክናደየሉን መጸበዪ ነፍሰ-ጾራት ክስራሓላን ተላብዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሃበሮ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓሪታይ ማእከል ጥዕና፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ሃበሮ ጻዕዳን ፍልፍለን ድማ መደበራት ጥዕና ኣለዋ።

Categories