ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ዓቕሚ ኣባላቱ ንምሕያል ከካይዶ ዝጸንሐ ስልጠናታት፡ ካብ ሽድሽተአን ዞባታት ንዝተዋጸኡ 24 ኣባላቱ ናይ ሓደ ወርሒ ስልጠና ሂቡ።

ብ3 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምምራቕ፡ ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ ወረቐት ምስክር ድሕሪ ምዕዳል ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዕላማን ኣገዳስነትን ናይ’ቲ ስልጠና ብምብራህ፡ ምስ ገፈፍቲ ዓሳ ዝህልዎም ጥቡቕ ዝምድና፡ ኣብ ገስጋስ ስርሖም መሰረታዊ ምዃኑን ንተመኲሮታት ገፈፍቲ ዓሳ ዘማእከለ ዕዮታት ከሳልጡን ኣዘኻኺሩ።

ንደሴታት ጀምሂለ፡ ዳህላክን ድሕሉን ዝምልከት ብክኢላታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ምስ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብምውህሃድ ናብ ተግባር ዘበግስ መደብ ንኽሕንጽጹ ከም ዝሓገዞም ዝሓበረ ሚኒስተር ተወልደ፡ ሰልጠንቲ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዲጋታት ዝርከብ ህዝቢ ተጠቃሚ ንክኸውን ደገፍ ክገብሩ፡ ዘድልዮም ጠለባት ድማ ክማልኣሎም ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ልምዓት ዓሳ ኣምባሳደር ተወልደብርሃን ወልደሚካኤል ድማ፡ እቲ ስልጠና ግብራዊ ብምንባሩ ብልጫ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ብስራሕ ከማዕብልዎ ተላብዩ።

ወኪል ተመረቕቲ፡ ጸጋታት ባሕሪ ኣብ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ንምውዓል ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ንምዕዋት፡ ብዝቐሰምዎ ፍልጠት መነባብሮ ሕብረተ-ሰቦም ንምልዋጥ ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዩ።

Categories