ቤት-ትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ መንደፈራ፡ ንመበል 12 ግዜኣ ብግብርን ክልሰ-ሓሳብን ንዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ዘምሃረቶም 145 ተመሃሮ፡ ትማሊ 6 ጥቅምቲ ኣመሪቓ።

ኣብ’ቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ዳረክተር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር በረኸት ፍስሃየ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ተመሃሮ ካብ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝመጽኡ ምዃኖም ብምሕባር፡ ብደረጃ ሰርቲፊኬት ከምእተመረቑን 85 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነንን ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ዳረክተር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር በረኸት ፍስሃየ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ተመሃሮ ካብ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝመጽኡ ምዃኖም ብምሕባር፡ ብደረጃ ሰርቲፊኬት ከምእተመረቑን 85 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነንን ገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊት ኣሃዱ ቤትትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ ኣብ ዞባታት ሲስተር ኣልጋነሽ ተኽለጊዮርጊስ ብወገና፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ሸፈነ ዝህቦ ኣገልግሎት ብብዝሕን ዓይነትን ንምርግጋጽ፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ትሕተ-ቅርጺን ገዚፍ ወፍሪ ክገብር ምጽንሑ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ተኸፊተን ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ ድማ ኣካል ናቱ ምዃነን ብምሕባር፡ በብዓመቱ ዝምረቑ ዘለዉ ዜጋታት፡ ዝነበረ ሃጓፋት ኣብ ምምላእን ዕብየት ኣገልግሎት ሕክምና ኣብ ምርግጋጽን ዓቢ እጃም የበርክቱ ከምዘለዉ ኣብሪሃ።

ወኪል ተመረቕቲ ብግደኣ፡ ጥዕና ሕብረተሰቦም ንምርግጋጽ ዝኣተውዎ ቃል ንምትግባር፡ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጻ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ግዝያዊ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ፖሊሲ፡ ውጥንን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ዶ/ር ብርሃነ ደብሩ ንተመረቕቲ ወረቐት ምስክር ድሕሪ ምዕዳል፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ መዳይ ጥዕና ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወታት፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ዓቕሚ-ሰብ ዝተገብረ ወፍሪ ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ንምዕቃብን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ንምባልን ከኣ፡ ተመረቕቲ ሞያዊ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።

ኣብ 2003 ዝተመስረተት ቤትትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ መንደፈራ፡ ዛጊት 1184 ተመሃሮ ኣመሪቓ ናብ ዕማም ከምዘዋፈረት፡ ሰነዳታ የመልክት።

ቤት-ትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ ጊንዳዕ’ውን፡ ንዓመትን ሽድሽተ ወርሕን ብክልሰ-ሓሳብን ግብርን ዘምሃረቶም 42 ደቂ-ተባዕትዮ ዝርከብወን 121 ተሓጋገዝቲ ነርስ፡ ብ29 መስከረም ብሰርቲፊኬት ምምራቓ ይዝከር።

Categories