ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማታት ባሪን ፒስቶያን – ኢጣልያ፡ ዝተፈላለየ መደባት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ብመሰረት ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ ኣብ ከተማ ፒስቶያ – ቶስካና ዝነብሩ ዜጋታት፡ ብ30 መስከረም፡ ብውዳበ ሃማደኤ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ከተማ ከረን ዝተሃንጸ ንደቂ-ኣንስትዮ ዘገልግል ማእከል ሞያዊ ስልጠና፡ ምሉእ ብምሉእ ዓጢቑ ኣገልግሎት ንኽጅምር ገንዘባዊ ደገፍ ንምግባር ዝዓለመ መደብ ወዲቦም።

ኣብ ከተማ ባሪን ከባቢኣን ዝቕመጡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ድማ፡ ን‘ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን’ ዝድግፍ፡ ከምኡ’ውን ምሕዝነቶም ዘደንፍዕ ሓባራዊ ባህላዊ መደብ ኣካይዶም።

Categories