ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምስ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ብምትሕባባር፡ ሓለፍቲ ክፍልታት፡ ጨናፍር ሚኒስትሪታት፡ ሃገራውያን ማሕበራትን ኣባላት ባይቶን ንዝርከብዎም ኣብቲ ዞባ ዝነጥፉ ሓለፍቲ፡ ኣብ ምምዕባል ትካላዊ ኣሰራርሓን ምሕደራን ዘተኰረ ስልጠና ወዲቡ።

ኣብ ምዝዛም ናይ’ቲ ካብ 24 ካሳብ 29 መስከረም ዝተዋህበ ስልጠና፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ብሪጋዴር ጀነራል ተኽለ ልብሱ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ምምሕዳር ዞባ – ኣባላቱ ኣብ ኩሉ ንህዝቢ ዝህብዎ ኣገልግሎታት እኹል ኣፍልጦን ብቕዓትን ሃልዩዎም ኣድማዕቲ ንምግባሮም ብዝተጀመረ ትልሚ ዝተተግበረ መደባት፡ ኣብ ኣፍራይነት ሰራሕተኛታትን ዕብየት ስራሕን ውጽኢቱ እናደመቐ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ተወሳኺ ስልጠናታት ንምሃብ ድርኺት ከምዝፈጠረ ገሊጹ።

ብሪጋዴር ጀነራል ተኽለ ብተወሳኺ፡ ሰልጠንቲ ንዘርኣይዎ ድሌትን ተገዳስነትን ብምምጓስ፡ ወሲዶምዎ ዘለዉ ትምህርቲ ብቐጻሊ ጻዕሪ ከማዕብልዎን ከዕምቚዎን ተላብዩ።

ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን ብወገኑ፡ እዋናውነት ናይ’ቲ ስልጠና ኣብ’ዚ ሓድሽ ናይ ሰላም መድረኽ ብምጥቃስ፡ ከከም ደረጃኡ ክቕጽል ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ገሊጹ።

ግዝያዊ ዳይረክተር ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ዶክተር ኣቤል ሃብተማርያም ድማ፡ እቲ ስልጠና – ኣብ ምድንፋዕ ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ኣፍራይነት ትካልን ሰራሕተኛን መሰረታዊ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምስ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ብምውህሃድ፡ ካብ 24 ክሳብ 29 ሰነ 2018 ኣብ ዝወደቦ ተመሳሳሊ ስልጠና፡ ካብ 2019 ክሳብ 2023 ከስርሖ ዝኽእል ናይ 5 ዓመት ስትራተጅያዊ ውጥን ከምዘዳለወ ይዝከር።

Categories