ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ ዓንሰባ – ምምሕዳር ከባቢ ምለዛናይ፡ ብልዕሊ 6 ሚልዮን ናቕፋ ዝተሃንጸ ፕሮጀክት ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ብ30 መስከረም ብኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ተመሪቑ።

እቲ ብምትሕብባር ኣብ ውሽጢን ወጻኢ ሃገርን ዝነብሩ ዜጋታት፡ መኸተ ልምዓት ምዕራባዊ እዚን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ዝተዋደደ ፕሮጀክት፡ 13 ሜትሮ ዝዕምቈታ ዒላ፡ 4 መዐደሊ ማይ ነቝጣታት፡ 250 ፊስቶ ዝሕዝ ገንኢ፡ 3.5 ኪሎ-ሜተር ዝዝርጋሕ ሻምብቆታትን 4.8 ኪሎ-ዋት ዘመንጩ ናውቲ ጸሓያዊ ጸዓትን ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ምምራቕ፡ ኣቦ-መንበር ኮሚተ ልምዓት ዓዲ፡ መምህር ሚኪኤለ ከበደ፡ እቲ ፕሮጀክት ንኽዕወት ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣመስጊኑ።

ንዝተወስደ ተበግሶ ዘመጐሰ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ኣቶ ኣብርሃም ሓጐስ ድማ፡ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ምሕደራን ምክንኻንን እቲ ፕሮጀክት ዕቱብ ቈላሕታ ክገብር ኣተሓሳሲቡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ንሽግራትካ ባዕልኻ ክትፈትሕ ካብ ምኽኣል ዝዓቢ ከምዘየለ ብምሕባር፡ ዘሐብን ስራሕ ከምእተሰርሐ ገሊጹ። ትሕተ-ባይታዊ ማይ ዘሀብትም ንጥፈታት ክሰላሰል ድማ ኣዘኻኺሩ።

ነበርቲ፡ ነዊሕ ሰዓታት ተጓዒዞም ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ክሰትዩ ምጽንሖም ብምዝካር፡ ንኣበርክቶን ውህደትን ናይ ኩሎም ኣካላት ኣመስጊኖም።

ምምሕዳር ከባቢ ምለዛናይ፡ ሓንቲ ካብ 13 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ኮይና፡ ኣስታት 4500 ነበርቲ ኣለዉዋ።

Categories