ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ዝተዋጽኡ 4 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 23 ኤርትራውያን፡ ኣብ ፈደረሽን ሩስያ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቦም።

እዞም ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናብ ሩስያ ዝብገሱ ዜጋታት፡ ስነ-ኣከባቢ፡ ምሕደራ፡ ስነ-ቚጠባ፡ ሕክምና ቈልዑ፡ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፡ ስነ-ህንጻ፡ ስነሕሳብን ሕርሻን ብዝርከብዎም 15 ዓውድታት፡ ካብ 2 ክሳብ 4 ዓመታት ትምህርቶም ክከታተሉ እዮም።

ብ26 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምፍናዎም ስነ-ስርዓት፡ ኣምባሳደር ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ኤርትራን ሓለፍቲ ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲ ኤርትራን ምስ’ቶም ዜጋታት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ንባህሊ፡ ኣነባብራ፡ ቋንቋ፡ ማሕበራዊ ሂወትን ካልእን ናይታ ሃገር ዝምልከት ሓበሬታ ተዋሂብዎም።

ኣምባሳደር ኣዚም ያራኽመደቭ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቶም ኤርትራውያን ዝመረጽወን ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ከተማታት ሞስኮን ሴንት-ፒተርስበርግን ዝርከባ ምዃነንን፡ ብዙሓት መራሕቲን ጸለውቲን ሰባት ዘምሃራን ዘመረቓን ከምዝኾናን ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈደረሽን ሩስያ፡ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ ብወገኑ፡ ካብ 2015 ኣስታት 70 ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ሩስያ ብዝተፈላለየ ዓውድታት ተማሂሮም ከም እተመረቑ ብምሕባር፡ ትምህርቶም ኣብ ምዕባለ ሃገሮምን ህዝቦምን ከውዕልዎ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣገንዚቡ።

Categories